Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ 100 ሺሕ ኣባይቲ ንምህናፅ ምስ ማሕበር ጎጆ ብሪጅ ተስማዕሚዑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብታ ከተማ 100 ሺሕ ኣባይቲ ንምህናፅ ምስ ማሕበር ጎጆ ብሪጅ  ስምምዕነት ውዕሊ ተፈራሪሙ።

እቲ ምምሕዳር ከተማ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ንምቅላል ዝተትሓዘ ትልሚ ንምትግባር ብዝብል ሓቢሩ ንምስራሕ ከምዝተስማዕመዐ ተገሊፁ።

እቲ ማሕበር ኣብ ቀረባ እዋን ካብ 1 ሺሕ ዝዛይዱ ደረጀኦም ዝሓለዉ ኣባይቲ ንምህናፅ ስራሕቲ ዲዛይን እናሳለጠ ከምዝኾነ ፀብፃብ ኢቢሲ የረድእ።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ማእኸላይ እቶት ዘለዎም ውልቀሰባት ተረባሕቲ መንበሪ ኣባይቲ ንምግባር ትኹረት ብምግባር፥ ገዛ ተመዝጊቦም ዝፅበዩ ከምኡ እውን ብማሕበር ተወዲቦም እናተፀበዩ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንምሕጋዝ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

መካየዲ ስራሕ እቲ ማሕበር ኣይተ ኣልማው ጋሪ፥ እቲ ማሕበር ትልሚ መሰረት ብምግባር ኣባይቲ ሃኒፁ ንምርካብን ሓላፍነቱ ንምውፃእን ከምዝንቀሳቐስ ኣብሪሆም።

ማሕበር ጎጆ ብሪጅ፥ ውልቀ ትሕዝቶ ሃሊዩዎም ክሃንፁ ዘይከኣሉ ውልቀሰባት ብማሕበር ተወዲቦም ካብ ቦተኦም እንተይተለዓሉ ደረጅኡ ዝሓለወ ኣባይቲ ንምህናፅ ብምሕሳብ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝተወደበ ማሕበር ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.