Fana: At a Speed of Life!

ሰሜን ኮሪያ ወታደራታ ንቕሉዕ ኲናት ክዳለዉ ፃውዒት ኣቕሪባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መራሒ ሰሜን ኮሪያ ኪም ጆንግ ኡን ምስ ኣሜሪካን ደቡብ ኮሪያን ንዝግበር ንቕሉዕ ኲናት ወታደሮም ኣድላዪ ምድላው ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኪም ጆንግ ኡን ፃውዒት ዘቕረቡ÷ ኣሜሪካን ደቡብ ኮሪያን ኣብ ልሳነ ምድሪ ዝገብረኦ ወታደራዊ ልምምድ ኣጠናኺረን ንምቕፃል ምውሳነን ስዒቡ ኢዩ፡፡

እተን ሃገራ ኣብቲ ዞባ ዝገብረኦ ሓበራዊ ወታደራዊ ልምምድ÷ ዝፍራሕ ኲናት ኒውክሌር ጋህዲ ክገብሮ ከምዝኽእል እውን ኣጠንቂቖም፡፡

ኪም ሓሙስ ምሸት ኣብ ምዕራባዊ ጠረፍ ባሕሪ ሰሜን ኮሪያ ዝተኻየደ ከይዲ ልምምድ ኣፅዋራት መድፍዕን ካልኦት መሳርሒታትን ከምዝተኸታተሉ ተገሊፁ፡፡

እቲ ወታደራዊ ልምምድ÷ ኣብ ልዕሊ መዕርፎ ነፈርቲ ፀላኢ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ብምምሳል ከቢድ ግብረ መልሲ ምሃብ ዕላማ ዝገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ልምምድ ደቡብ ኮሪያ ብብዙሓት ዙራት ዝተዓጀበን ናይ ሓፂር ርሕቐት ሚሳኤል ልምምድ ከምዘካትትን ምግላፁ ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.