Fana: At a Speed of Life!

ስራሕቲ ምፅራግ ደኒ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ማይ ዝዓርፈሉ ከባቢ ዝርከቡ እፅዋት ምፅራግ ተጀሚሩ።

ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ልምዓት ኢንተርፕራይዛትን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ክልል ቤኒንሸንጉል ጉሙዝ ኣይተ በሽር ዓብዱራሂም፥ እቲ ክልል ብኢንተርፕራይዛት ኣቢሉ ዝፅረግ 1 ሺሕን ሄክታር መሬት ካብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ተረኪቡ ስራሕቲ ምቑራፅ ደኒ ንኽጅመር ገይሩ ኢዩ።

ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሓምለ ማይ ንምምላእ ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት፥ ስራሕቲ ምፅራግ እፅዋት ኣቐዲምካ ንምስራሕን ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንምዝዛምን፤ 2 ሺሕ ኣባላት ዝሓዙ ኢንተርፕራይዛት ናብ ስራሕ ምእታዎም ገሊፆም።

እቲ ስራሕቲ ምፅራግ ብፅሬትን ብቕልጡፍን ንኽሳለጥ እቲ ኤጀንሲ ብቐረባ ኮይኑ ከምዝከታተል ዝገለፁ እቶም ዋና ዳይሬክተር፥ ጉጅለታት ጥዕና፣ ፀፅታትን ካልኦትን እውን ምስቶም ናይ ምፅራግ ስራሕቲ ዘሰርሑ ኢንተርፕራይዛት ናብቲ ቦታ ኣቲዮም ኢዮም።

ንስራሕቲ ምፅራግ እቲ ደኒ ዘድሊ በጀትን ካልኦት እታወታትን ነቶም ኢንተርፕራይዛት ከምዝቐረበሎም ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.