Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረቡሎም ሕቶታት ዝሃቡዎም መልሲታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጉጅለ ህወሓት ቅድሚ፥ ቅድሚ ሓደን ክልተን ወርሒ ኣብ ዝነበረ እዋን ድሮ ለውጢ ንዓማውቲ እናተለዓሉ ዝነበሩ ሕቶታት ህዝቢ እቲ ጉጅለ ንህዝቢ ብበዝሒ ብምእሳርን ብምዕፋንን እቶም ሕቶታት ንምቕልባስ ይፍትን ከምዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረቡሎም ሕቶታት ካብ ዝሃቡዎም መልሲታትት፦

  • ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሓይሊታት ለውጢ ትእዛዝ ማእሰርቲ ብምውፃእ ናይ ይምሰል መንግስቲ ንምጥይሽ ይንቀሳቐስ ነይሩ።
  • ቀዲሙ ንምንታይ ኣቐዲሙ ስጉምቲ ኣይተወሰደን ዝብል ሕቶ እንትምልሱ ድማ፥ ሓደ ነገር ቅድሚ ምግባርና ጥንቃቐ ዝተመልኦ፣ ኣብ ፍልጠት ዝተመርኮዘ፣ ትንተናን ኩነታት ትንተናን እንታይ ዓይነት ወፍሪ ብምክያድ ዕዉት ምዃን ይከኣል ዝብል ምፍላጥ የድሊ ነይሩ። ብተወሳኺ ፀላኢ ክህልዎ ዝኽእል ብቕዓት፣ ናይ ባዕልኻ ብቕዓት ፀላኢ ብኸመይ ክስዕር ከምዝእል ምፍላጥ ከምዘድሊ ገሊፆም፡፡ እዚ እንተዘይተገይሩ ተዓዋቲ ምዃን ኣይከኣልን ዝብል መልሲ ሂቦም፡፡
  • ድሕሪ ለውጢ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ጎንፂታት እናልዐለ ምፅንሑን እቲ ናይ ሕዚ እንተይሓወሰ ኣብ መላእ ሃገር 113 ጎንፂታት ከምዝተለዓሉ ኣዘኻኺሮም።
  • ብዙሓት ሰባት ንኽመዛበሉን ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓደ ጉድጓድ ብምቕባርን ዜጋታት ናይ ምብካይን ምጭናቕን ባህሪ ከምዝነበረ ገሊፆም
  • ኣብ ይቕሬታ ዝተመርኮዘ ሓበራዊ ሃገረ መንግስቲ ንህነፅ ዝብል ሓሳብ ይቕረብ እምበር፤ ሃገር ብስብከት ኣይምራሕን፣ ድኹም መንግስቲ ኢዩ ብዝብሉ ዛዕባታት ስራሕቲ ክስርሑ ከምዘይተኽኣለ ኣብሪሆም።
  • ተዛሚዱን ተዋሊዱን ዝነበረ ህዝቢ ነኒባዕሉ ብጥርጣረ ንኽረአአ ልዑል ስራሕ ተሰሪሑ ኢዩ፡፡
  • ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ክልል ኦሮሚያ፤ ሻሸመኔ፣ ባሌ፣ ጉጂ፣ ሃረርጌ፣ ወለጋን ሓዊሱ ኣብ 37 ከባቢታት ጎንፂታት ተፈጢሮም ኢዮም፡፡
  • እቲ ጉጅለ፥ ኦሮሞ ምስ ካልኦት ብሄራት ንኽፃረር፣ እስላምን ክርስትያንን ንኽፃላእ እናገበረ፣ ንህዝቢ ኦሮሞ የሓስብ ኢየ ዝብል ሓይሊ ኢዩ፡፡

ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል 15 ግዘ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 14 ግዘ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ 23 ግዘ ከምኡ እውን ኣብ ድሬዳዋ፣ ሲዳማ፣ ጉራፈርዳን ካልኦት ከባቢታትን ዝተፈላለዩ ጎንፂታት ክፍጠሩ ገይሩ ኢዩ፡፡

  • ብዝተፈለየ መልክዕ ድማ ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ጎንፂ እንትፍጠር፤ ኣብ ክልል ትግራይ ግን ዋላ ሓንቲ ጎንፂ ኣይተፈጠረን ኢሎም።
  • በቶም ዝተፈጠሩ ጎንፂታት ድማ ብዙሓት ንፁሃን ዜጋታት ጉድኣት በፂሑዎም ኢዩ፡፡

ሙሉእ ምንቅስቓስ እቲ ጁንታ ኣብ ውሽጢ ቀለበትና ኢዩ፤

ትማሊ ምሸት ኣብ ከባቢ ሃገረ ሰላም ዝገበሩ ምትርማስ ኩሉ ብቐጥታ እናተኸታተልና ነይርና፤

ይኹን እምበር ስጉምቲ ክንወስድ ዘይከኣልና ደቆምን ኣንስቶምን ሒዞም እናተንቀሳቐሱ ዝለዝኾኑ ኢዩ፤ እዚ ግን ድሕሪ ሕዚ ክቕፅል ኣይኽእልን፤

ኣብ ኩሎም ግምባራት ዝተኻየደ ወፍሪ ዋላ ሓደ ንፁህ ዜጋ ኣይተጎድአን፤ ምኽንያቱ ድማ ስነ ምግባር ዝተመልኦን ጅግናን ሰራዊት ምክልኻል ስለዘለና ኢዩ ኢሎም።

ኢህወዴግ እንተፈሪሱ ሃገር ክትፈርስ ኢያ ዝብል ዝተሰሓሓተ ሓሳብ ከምዝነበረ፤

ትናንት የተፈጠረ ፓርቲ እንዴት ከሺህ ዓመታት በፊት የተፈጠረች ሀገርን ማፍረስ ይችላል ሲሉም ጠይቀዋል

ትማሊ ዝተፈጠረ ፓርቲ ብኸመይ ቅድሚ ሺሕ ዓማውቲ ዝተፈጠረት ሃገር ከፍርስ ይኽእል ክብሉ ሓቲቶም፤

ምስ ምጥያሽ ፓርቲ ብልፅና ተተሓሒዙ ኣብ ዘሃቡዎ መብርሂ፥ እቲ ጉጅለ ቅድሚ ኣብ ሃዋሳ ዝተኻየደ ጉባኤ ምቅዋም ከመዝጀመረ፤ ይኹን እምበር ኣብ ውሽጢ ኮይንና ንረብሾም ብዝብል ኢዩ ኣብቲ ጉባኤ ክርከብ ዝኸኣለ ኢሎም።

ፓርቲ ብልፅግና እኸለ ካብ እኸለ ይበልፅ እንተይበለ ንኹሉ ብማዕርነት ዘሳትፍ ኮይኑ ከምዝተጣየሸ ኣፍሊጦም።

ምፍጣር ፓርቲ ብልፅግና ብሽም ፖለቲካ ቁማር ናይ ዝፃወቱ ሓይሊታት ሽርሒ ዘምከነ ዓቢዪ ዓወት ኢዩ ኢሎም።

ምስ ሪፎርም ተተሓሒዙ ኣብ ሰራዊት ምክልኻልን ኢኮኖሚን ካብ ዝተሰርሐ ብተወሳኺ ሪፎርም ሕጊ ምግባር እውን ካሊእ ስራሕ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ ኣዋጃት ምስትኽኻል፣ ንልዕሊ 60 ዓማውቲ ዘይተመሓየሸ ስነ-ስርዓት መቕፅዒ ገበነኛ ሓዊሱ፤ ሕጊ ንግዲን ካልኦት ጊታትን ከምኡ እውን ሕጊ ሚዲያ ናይ ምምሕያሽ ስራሕቲ ተሰሪሖም ኢዮም ኢሎም።

ኣብ ዘፈር ሚዲያ ልዕሊ 270 መርበብ ሓበሬታታትን ብሎጋትን ተኣጊዶም ከምዝነበሩ ክእግዱዎም ዘይኽእሉ ድማ ናብ ገዛ እናተዛወሩ ዲሽ ብምንቃል እናሰርሑ ከምዝነበሩ ተዛሪቦም።

ካሊእ ምምሕያሽ ዝተገበረሉ ፖሊሲ ዲፕሎማሲ ከምዝኾነ ብምፅራሕ፤ ምስ ኤርትራ ዕርቂ ንኽፍፀም ስምምዕነት ኣልጀርስ ንቀበል ዝበለ ኢህወዴግን እቲ ጁንታን እምበር ብልፅና ኣይነበረን ኢሎም።

ብዝተሰርሐ ስራሕ ድማ ጥራሕ ዘባኑ ዘባረሩዎ ሰራዊት ምክልኻል ተቐቢሉ ዝኸደኖ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ፤ ሱዳን እውን ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ምዃና ኣረጋጊፃ ኢያ፣ ሶማሊያ፣ ጅቡቲ፣ ኬንያ፣ ኡጋንዳን እውን ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ምዃነን ምርግጋፀን ምስጋና ከምዝግበአን ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.