Fana: At a Speed of Life!

በዓል መስቀል ሃይማኖታዊ ፀጋታቱ ብዝሓለወ መልክዑ ንክኽበር ኩሉ ግደኡ ንክዋፃእ ፃውዒት ቀሪቡ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መስቀል ሃይማኖታዊ ፀጋታቱ ብዝሓለወ መልክዑ ንክኽበር ኩሉ ግደኡ ንክዋፃእ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ፃውዒት ኣቕሪባ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያን ሊቀ ጳጳስ  ሃገረ ስብከት ባህርዳርን ብፁእ ኣቡነ ኣብርሃም÷ ኣከባብራ ደመራን በዓል መስቀልን ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።

ኣቡነ ኣብርሃም ኣብ መግለፂኦም÷ እቲ በዓል ንምኽባር ዝተዳወለዉ ህዝበ ክርስቲያን፤ “ካብቲ መስቀል ወፃእ ትምክሕቲ ካባይ ይርሓቕ” ዝብል ኣስተምህሮ ብምሕሳብ ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

“ካብ መስቀል ወፃእ ካልእ ጉልበትን ጥበብን ስለዘየብልና፤ ቤተክርስቲያን በቲ መስቀል ኣበላ ሰላም እያ ትእውጅ፤ ምእመናን እውን ሰላምን ፍቕርን እናሰበኹ ከኽብርዎ ይግባእ” ኢሎም።

ምእመናን ነቲ በዓል እንተኽብሩ ክርስቲያናዊ ኣተሓሳስባ ሓልዮም ምስ መስቀል ዘይኸዱ ክዳውንትን ጭርሖታትን ካብ ምሓዝ ብምቑጣብ፤ ከምኡ እውን መንግስቲ ንዘዋፈሮም ኣካላት ፀጥታ ተሓባባርቲ ብምዃን እቲ በዓል ንኸኽብሩ ፀዊዖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.