Fana: At a Speed of Life!

በዓል ጥምቀት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ጥምቀት ብመላእ ተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ብድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ታቦታት ካብ ጥምቀተ ባሕሪ ነናብ መንበሪ ኣድባራቶም ብዝማሬን ዓጀባን ብኽብሪ እናተፋነዉ ይርከቡ።

እቲ በዓል ጃን ሜዳ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ባህላዊን ሃይማኖታዊ ስርዓቱ ብዝሓለወ መልክዑ ኣናተኸበረ ውዒሉ።

በዓል ጥምቀት ብተኸተልቲ እምነት ክርስትና ናይ ኩለን ኣድባራት ታቦታት ካብ ድሮ እቲ በዓል ጀሚረን ናብ ዝተሰናድኡ ባሕረ ጥምቀታት ብምኻድ መዘምራን፣ ካህናት፣ ዲያቆናት፣ ምእመናንን ዕዱማትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓቱ ሓሊዩ ብድምቀት ዝኽበር በዓል ኢዩ።

ምእመናን መስተጠመቑን ስርዓተ ቤተ ክረስትያን ምስተዛዘመን ድማ ካብ ታቦት ቅዱስ ሚካኤል ወፃእ ኩሎም ነናብ ኣድባራቶም ይምለሱ፡፡

ታቦት ቅዱስ ሚካኤል ድማ ኣብቲ ጥምቀተ ባሕሪ ሓዲሩ ንፅባሒቱ ማለት እውን 12 ጥሪ ኣብ መዓልቲ (ቃና ዘገሊላ) ናብ መንበሪኡ ይምለስ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.