Fana: At a Speed of Life!

በዓል 11 ለካቲት ህዝቢ ትግራይ ዝኸነ ወፅዓ ዘይቅበልን ብሽርሒ ዘይስኮን ህዝቢ ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ – ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል 11 ለካቲት ህዝቢ ትግራይ ዝኸነ ወፅዓ ዘይቅበልን ብሽርሒ ዘይስኮን ህዝቢ ምዃኑ ዘረጋገፀሉ በዓል ከምዝኾነ ምክትል ኣቦ መንበር ህወሓትን ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር ገሊፀን።

ፅምብል በዓል 11 ለካቲት ኣብ ማእከል ሃገርን ካለኦት ክፍሊታት ዓለምን ብዝለዓለ ድምቀት ክኽበር ፀንሑ ኢዩ።
ሎመዓንቲ ድማ ከም መጠቓለሊ ኣብ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሚሊንዮም ኣዳራሽ፥ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂም፣ ምክትል ኣቦ መንበር ህወሓትን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄርን ሓዊሱ ተወከልቲ ጥምረት ፌዴራሊስት ሓይሊታት ኢትዮጵያ፣ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተጋሩ ነበርቲ እታ ከተማ፣ ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረከብሉ ብድሙቕ ኩነታት ተኸቢሩ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር፥ “ህወሓት ሕዚ እዉን ከም ወትሩ ንፋስ ናብ ዝነፈሶ ዘምበል ከይበለት ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ኣፅንዕ! ኢላ ቅዋማ ኣመስኪራ ኣብ ለካቲት ዳግም ቃለኪዳና ኣሐዲሳ ኣላ” ኢለን።

መበል 45 ፅምብል በዓል 11 ለካቲት፥ ውድብ ህወሓት ዘለዉዋ ፀገማት ብምፍታሽ ዳግም ቃላ እተሕድሰሉ መዓልቲ ኢያ ብምባል ገሊፀን።

እቲ በዓል ህዝቢ ትግራይ ከምኡ ውን ውድብ ህወሓት ዝኸነ ወፅዓ ዘይቅበሉን ብሽርሒ ዘይስኮኑን ምዃኖም መርኣያ ኢዩ ዝበላ ወይዘሮ ፈትለወርቅ፥ አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሑ ዘለው ሽርሒታት ብፅንዓት መኪቱ ብዓወት ከምዝዛዝሞም እውን ኣፍሊጠን።

“ቅኑዕ ዕላማን መስመርን ሒዝና እንተተጓዒዝና፤ ንሶም እንትወርዱ ንሕና እንትድይብ ኣብ መንገዲ ክንራኸብ ኢና” ክብላ ገሊፀን።

ኣብ በዓል 11 ለካቲት ዝተርኣየ ምልዕዓል ህዝቢ ብዘይምቁራፅ ኣብ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ክንሰርሕ ይግባእ ዝበላ ወይዘሮ ፈትለወርቅ፥ ዘለዉና ውሽጣዊ ፀገማት ስራሕ ስእነት፣ ጉድለት ፍትሒን ሰናይ ምምሕዳርን ብምቕራፍ ክልልና ካብ ካልኦት ክልላት ብዝተፈለየ ሰላማ ዝተሓለወን ተመራፂትን ክልል ብምግባር ንትግራይ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንምውሳድ ክንሰርሕ ኢና ኢና ኢለን።

ወይዘሮ ፈትለወርቅ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብር ትግራዋይ ኣብ ማእኸል ተፃባእቲ ኮይኑ ብፅዕንቶን እንተይተበደሀ ብልዑል ወነን ሓቦን በዓል 11 ለካቲት ከኽብር ምኽኣሉ ብምንኣድ ምስጋና ኣቕሪበን።

ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ብሄር ብሄረ ሰባትን ኢትዮጵያ ብምዃን ኣንፃር ስርዓት ደርጊ ብምቅላስ ዓወት ከመዝግብ ክኢሉ ኢዩ ዝበላ እተን ሓላፊት፥ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ድማ ኣንፀባራቒ ልምዓት ከመዝግብ ከምዝኸኣለ ገሊፀን።

ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ነቲ ዘምፀኦ ርኡይ ለውጢ ምስጋናን ኣድናቖትን እናተገበኦ እቶም ምስ ህወሓት እናሰርሑ ዝነበሩ ውድባት ግን ምስ ፀላእቱ ብምውጋን ታሪኻዊ ክሕደት ከምዝፈፀሙሉ ኣብሪሀን።

እዚ ከየኣክል ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘርኣዊ መጥቃዕቲ ንኽፍፀም ዘለዓዕሉ ሰነዳዊ ምድላዋት ብምስንዳእን ምስ ማእኸል ሃገር ከይራኸብ መገዲታት ብምዕፃውን ርኡይ መጥቃዕቲ እናፈፀሙሉ ይርከቡ ኢለን።

ፅምብል በዓል 11 ለካቲት እዚ ዓመት፥ “መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝኸበር ዘሎ በዓል ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣብ ኩለን ከተማታትን ገፀር ወረዳታትን ክልል ትግራይ፣ ክፍለ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፣ ዝተፈላለዩ ሃገራት ወፃኢ ዓዲ ተፀምቢሉ ኢዩ።

ብብርኪ ክልል ድማ 11 ለካቲት 2012 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ብድሙቕ ኩነታት ምኽባሩ ይዝከር።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.