Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝተመሓየሸ ረቂቕ ኣዋጅ ኢንቨስትመንት ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ዝተመሓየሸ ረቂቕ ኣዋጅ ኢንቨስትመንት ኣፅዲቑ።

እቲ ባይቶ ትማሊ ኣብ ዘሳለጦ 5ይ ዘበን ስራሕ መበል 12 ስሩዕ ኣኼቡኡ፥ ኣብ ዝተመሓየሸ ረቂቕ ኣዋጅ ኢንቨስትመንት ተዛትዩ ኢዩ።

እቲ ኣዋጅ ኣብ ዘፈር ኢንቨስትመንት ውልቀ ዝነበሩ ማሕለኻታት ከምዝፈትሕን ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ብስፍሓት ኣብቲ ዓውዲ ንኽዋፈሩ ከምዝሕግዝ ተገሊፁ።

ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ምፍጣር፣ ምዕባይ እቶት ሸርፊ ወፃኢን ኣብ ፖሊሲ ኢንቨስትመንት ዝረኣዩ ፀገማትን ክፈትሕ ኢዩ ተባሂሉ ትፅቡት ከምዝግበር እውን ተሓቢሩ።

ብሓፈሻ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ እናተኻየዱ ምስ ዝርከቡ ለውጢታት ክናበብን ተሳትፎ ሰብ ሃፍቲ ውልቀ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ንምዕባይ ተሓሲቡ ዝተዳለወ ምዃኑ ተገሊፁ።

ኣባላት እቲ ባይቶ ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ዓሚቕ ዘተ ድሕሪ ምግባር ብ10 ተቓውሞን ሓደ ድምፀ ተዓቕቦን ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቖምዎ ኣለዉ።

እቲ ዝተመሓየሸ ሓዱሽ ኣዋጅ ቁፅሪ 1180/2012 ብዝብል ብምፅዳቑ፥ ንነባር ኣዋጅ ቪንቨስትመንት ቁፅሪ 769/2005 ተኪኡ ከገልግል ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.