Fana: At a Speed of Life!

ብማሕበር ኢንተርፕርነርስ ሸገር ልዕሊ 397 ሚሊየን ብር ሃፍብት ምፍራይ ከምዝተኸኣለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብማሕበር ኢንተርፕርነርስ ሸገር ልዕሊ 397 ሚሊየን ብር ሃፍብት ምፍራይ ከምዝተኸኣለ ተገሊፁ።

እቲ ማሕበር÷ ሳልሳይ ዓመታዊ ጉባኤኡ የሳልጥ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ሓዊሱ ዕድመ ዝተገበረሎም ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ተረኺቦም።

ማሕበር ኢንተርፕርነርስ ሸገር÷ ኣብ ፍልጠት ዝተደረኸ ፈጠራ ሃፍቲ ንምዕዋት ዕላማ ሒዙ ዝተጣየሸ ማሕበር ከምዝኾነን ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 7 ሺሕ ፈጠርቲ ስራሕ ናብ ስራሕ ከምዘእተወን ተገሊፁ፡፡

ናብ ስራሕ ዝኣተዉ ጀመርቲ ፈጠርቲ ስራሕ ድማ ልዕሊ 15 ሺሕ ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠሩን ልዕሊ 397 ሚሊየን ብር ሃፍቲ ከፍርዩ ከምዝኸኣሉን ተሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ልዕሊ 34 ሺሕ መናእሰይ በቲ ማሕበር ኣቢሎም ስልጠና ፈጠራ ስራሕ ከምዝረኸቡ ኦቢኤን ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.