Fana: At a Speed of Life!

ቱርኪ ዓመፅቲ ኩርድ ይርከቡዎም ኢዮም ኣብ ዝበለቶም 500 ዝኾኑ ዒላማታት መጥቃዕቲ ፈፂማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቱርኪ ኣብ ኢራቕ ሶሪያ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ዓመፅቲ ኩርድ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣየር 500 ዝኾኑ ዒላማታት ከምዝወቕዐት ኣፍሊጣ።

ቱርኪ ኣብ ቀረባ እዋን ብዘካየደቶም መጥቃዕቲ ኣየር እቶም ዓመፅቲ ዓሪዶምሎም ኢዮም ዝበለቶም 471 ዒላማታት ከምዝወቕዐት ገሊፃ ኣላ፡፡

ብዝወሰደቶ ወታደራዊ ስጉምቲ ድማ 254 ዓመፅቲ ከምዝደምሰሰት ሲ ጂ ቲ ኤን ፀሪሑ ኣናዶሉ ፀብፂቡ፡፡

ቱርኪ ካብ ሰንበት ንጉሆ ጀሚራ መጥቃዕቲ ኣየር እናፈፀመት ዝቐነየት÷ ንባዕሎም “ዋይ ፒጂ”ን ሰራይተኛታት ፓርቲ ኩርድ “ፒኬኬ” ብምባል ዝፅውዑ ኣብ ሰሜን ሶሪያን ሰሜን ኢራቕን ኣብ ልዕሊ ዘዓረዱ ዓመፅቲ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.