Fana: At a Speed of Life!

ትራንስ ኢትዮጵያ ቫይረስኮሮና መከላኸሊ ዝኸውን 20 ሽሕ መሸፈኒ ማስክ ንምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትራንስ ኢትዮጵያ ቫይረስኮሮናመከላኸሊ ዝኸውን 20 ሽሕ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን( ማስክ) ንምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣረኪቡ።

እቲ ትካል ዝተፈላለዩ ሓገዛት እናገበረ ከምዝመፀን ሐዚ ድማ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ኣብ ጎድኒ ህዝብን መንግስትን ኮይኑ ከምዝሰርሕ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ትራንስ ኢትዮጵያ ኣይተ ሙዑዝ ይሕደጎ ገሊፆም።

ብተመሳሳሊ ሓበሻ ቢራ ድማ ሕብረተሰብ ኢዱ ዝሕፀበሉ 10 መሕፀቢ በርሚልን ዝተፈላለዩ ፈሳሲ ሳሙናን ነቲ ምምሕዳር ሓገዝ ሂቡ።

ሓበሻ ቢራ ሕማም ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ኣብ ጎድኒ ህዝብን መንግስትን ጠጠው ብምባል ዝክእሎ ኩሉ ከምዝሕግዝ ወኪል መቐለን ከባቢኣን ሓበሻ ቢራ ዶክተር ተስፋይ ሓቢሮም።

ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኢንጅነር ኣርአያ ግርማይ ብግደኦም፥ ክልቲኦም ትካላት ዘወፈይዎ ሓገዝ ኣመስጊኖም።

ሕብረተሰብ እቶም ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝተገለፁ መከላኸሊ መገድታት ተግባራዊ ክገብርን ብመንግስቲ ዝወሃብ መምርሒ ክፍፅምን ከምዘለዎ አተሓሳሲቦም።

ብኪዳነ ሰይፋ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.