Fana: At a Speed of Life!

ትዊተር ሰራሕተኛታቱ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ንኽሰርሑ ኣዚዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትካል ቴክኖሎጂ ትዊተር ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ብዝብል ሰራሕተኛታቱ ካብ ገዝኦም እንተይወፅኡ ስረሖም ክሰርሑ ኣዚዙ።

እቲ ትካል ኣብ ሆንግ ኮንግ፣ ፓንን ደቡብ ኮሪያን ዝርከቡ ሰራሕታኛታቱ ኣብ ውሽጢ ገዝኦም ኮይኖም ናይ ምስራሕ ግቡአ ከምዘለዎም ገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ 5 ሺሕ ሰራሕተኛታቱ ናብ ስራሕ እንተይኣተዉ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ስረሖም ንኽሰርሑ ከመዘበረታትዕ ኣፍሊጡ ኢዩ።

እቶም ሰራሕተኛታት ንዝተወሰነ እዋን ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ንምስራሕ ዘኽእሉዎም መገዲታት ከምዘመዓራረየ እቲ ትካል ገሊፁ ኣሎ።

ሓላፊ ሃፍቲ ሰብ ትዊተር ጄኒፈር ክሪየር፥ ዋና ዕላማ እቲ ውሳነ ካብ ሰራሕተኛታቱን መላእ ዓለምን ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምንካይ ኢዩ ኢሎም።

ትዊተር እቲ ስጉምቲ፥ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ሃገራት እስያ እናተስፋሕፈሐ ምምፅኡ ስዒቡ ካልኦት ኩባኒያታት ምስ ዝወሰደኦ ስጉምቲ ተመሳሳሊ ምዃኑ ተገሊፁ።

ምስ ስግኣት ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ፌስቡክን ጉግልን ሓዊሱ ካልኦት ዓበይቲ ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ኣብ ኣሜሪካ ስብሰባታት ናብካሊእ እዋን ኣመሓላሊፎምዎም ኢዮም።

ፍልፍል፡- ቢ.ቢ.ሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.