Fana: At a Speed of Life!

ንኢትዮጵያ ሻይጦም ከስቢ ንምርካብ ዝፅዕሩ ባንዳታት ኩሉ ግዘ ኸሰርቲ  እዮም – ዲያቆን ዳንኤል ክብረት

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ንኢትዮጵያ ብምሻጥ ከስቢ ንምርካብ ዝፅዕሩ ባንዳታት ኩሉ ግዘ ኸሰርቲ  እዮም፤ ክብርን  ሉኣላውነትን ኢትዮጵያ ብቖራፅ ደቃ ተኸቢሩ ንዘልኣለም ክነብር እዩ ክብሉ ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ቐዳማይ ሚኒስተር ዲያቆን ዳንኤል ክብረት  ገሊፆም።

ግበረ ራዕዲ ህወሓት ገና ክፍጠር ከሎ ኢትዮጵያዊነት ብምጥፋእ፣ ዝተበታተነት ሃገር ብምፍጣር ሃፍታ ንምሽማይ ትልሚ ሒዙ ዝተልዓለ ከምዝኾነ እውነ ኣብሪሆም።

ኣብ 1968 ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ማንፌስቶ፤ ንትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ብዘይምግባር ንህዝቢ ፀላኢ ገይሩ ብምፍራጅ ባንዳ ምዃኑ ዘረጋገፀ ሓይሊ ከምዝኾነን ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ነቲ ፖለቲካ ብልዑል ብምቁፅፃር ዘይፈፀሞ በደልን ሽርሕን፤ ዘይጉሓሎ ንብረትን የለን ኢሎም።

እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያን እኩይ ዕላማ ግበረ ራዕዲ ህወሓት ብዝምልከት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ከምዝገለፁዎ÷ ፅኑዕ መሰረት ኣፍሪካውያን ዝኾነት ኢትዮጵያ ንምንብርካኽ ከምኡ ድማ ንቀጠናታት ኣፍሪካ ንምሕማስ ዕላማ ሒዞም ምምፅኦም ኣረዲኦም።

ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ምዝማት መራሕቲ፤ ሓዱሽ ከምዘይኾነ ብምሕባር ምዝማት ቐዳማይ ሚኒስተር ዓብይ ኣሕመድ ነቲ ሰራዊት ብምምራሕ ናይዚ ዘመን ሓዱሽ ታሪኽ ከምዝኾነን ንቐፃሊ መራሕቲ ድማ ከም ኣብነት ዝውሰድ ምዃኑን ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ከባኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.