Fana: At a Speed of Life!

ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2021 ዓመት ጥዕናን ክንክንን ሰብ ሞያታት ተባሂሉ ተሰይሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2021 ዓለም ለኸ ዓመት ጥዕናን ክንክንን ሰብ ሞያታት ክብል ሰይሙዋ።

ኢትዮጵያ እውን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ እቲ ዓለም ለኸ መዓልቲ ጥዕናን ክንክንን ሰብ ሞያታት ብዕሊ ኣጀሚራ።

እቲ ስያመ “ምክልኻል፣ ምልማዕን ምትሕብባርን” ብዝብል መሪሕ ቃል ከምዝኽበር ተገሊፁ።

እዚ ድማ፥ ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ኣብቲ ዓውዲ ዝገብሩዎ ኢንቨስትመንት ንኸደንፍዑ፣ ሰብ ሞያታት ጥዕና ክታበት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ቀዲሞም ንኽረኽቡ፣ ምዕሩይን ንባዕሎም ክብ ሓደጋ ንምክልኻል ዘኽእል ባይተ ስራሕ ንኽፍጠረሎም ከምኡ እውን ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ኣብ ጎኒ ሰብ ሞያታት ጥዕና ጠጠው ንኽብል ኣብ ምስራሕ ከምዘድህብ ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብቲ መድረኽ ተረኺበን ኣብ ዘስመዐኦ መደረ፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2019 ጀሚሩ ዝተኸሰተ ለበዳ ኮቪድ-19 ሰብ ሞያታት ጥዕና ዝኸፈሉዎ ልዑል መስዋእትነትን ሕብረተሰብ ንምግልጋል ዘርአዩዎ ልዑል ፃዕሪ ብምሕሳብ ግቡእ ምስጋናን ኣፍልጦን ንመሃብ 2021 ዓለም ለኸ ዓመት ጥዕናን ክንንክንን ሰብ ሞያታት ጥዕና ኮይና ተሰይማ ኣላ ኢለን።

ኣብ ኢትዮጵያ እውን ሰብ ሞያታት ጥዕና ለበዳ ኮቪድ ንምቁፅፃርን ምላሽ ንምሃብን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ መሪሕ ዝኾነ ግደ እናተፃወቱ ከምዝፀንሑ ምግላፀን ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.