Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መስጊድ ፓኪስታን ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ህይወት 59 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ፓኪስታን ከተማ ፔሻዋር ኣብ ውሽጢ መስጊድ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ቦምብ ብውሑዱ ሕይወት 59 ሰባት ምሕላፉ ተገሊፁ፡፡

መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ መስጊድ÷ ኣብ ጥቓ ልዑል ሓለዋ ዝግበረሉ ዋና ቤት ዕዮ ፖሊስ እታ ሃገር ከምዝርከብ ተሓሩ።

ኣብ ቀፅሪ እቲ መስጊድ ንፀሎት ተኣኪቦም ኣብ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ ዘዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ፡፡

በቲ ዝተተፈፀመ መጥቃዕቲ ካብ ዝሞቱ ሰባት ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ 157 ሰባት ጉድኣት ዝበፅሐ እንትኸውን÷ ክሳብ ሕዚ ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ከምዘየለ ተሓሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፖኪስታን ሸህባዝ ሻሪፍ÷ ብኣጥፊኦም ጠፋእቲ ኣብ ውሽጢ መስጊድ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብፅኑዕ ምኩናኖም ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.