Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ዘይሕጋዊ መሳርሒ ኲናት ዘዘዋወሩ ሰባት ክሳብ 5 ዓመት ዝበፅሕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ተበይኑሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 05 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍቢሲ)ዘይሕጋዊ መሳርሒ ኲናት እናዘዋወሩ ዝተረኸቡ ውልቀ ሰባት ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ዝበፅሕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ንኽቕፅዑ ቤት ፍርዲ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ወሲኑ።

ኣዛዚ ፖሊስ እታከተማ ኢንስፔክተር ገብረሚካኤል ገብረስላሴ ንግዜኢ ከም ዝገለፁዎ፥ እቶም ቅፅዓት ዝተበየነሎም ውልቀ ሰባት ብዘይ ሕጋዊ መገዲ 25 ሽጉጣት እናዘዋወሩ ስለ ዝተረኸቡ ኢዩ።

እቶም ውልቀ ሰባት መሳርሒታት ኲናት ሒዞም እንትዘዋወሩ ሕብተሰብ ብዝሃቦ ሓበሬታን ብኽትትል ሓይልታት ፀፅታን 2 ጥሪ 2012 ዓ.ም ኢድ ብኢድ ክተሓዙ ከምዝኸኣሉ ገሊፆም።

ፖሊስ ቅልጡፍ ምርመራ ብምክያድ ንቤት ፍርዲ እታ ከተማ ብምቕራቡን ተጠርጠርቲ በቲ ዝቐረበሎም ክሲ ክከላኸሉ ስለዘይከኣሉን  እቲ ቤት ፍርዲ ቅፅዓት ክውሰነሎም ምኽኣሉ እቶም ኣዛዚ ፖሊስ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ቀዳማይ ተኸሳሲ ሻተይ አዳነ ሲሳይን ሓጋዚኡ ኢሳያስ ዓርዓዶም ፀጋይን ነኒሕድሕዶም ብሓሙሽተ ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ንኽቕፅዑ ተበዪኑሎም።

ነቶም ውልቀ ሰባት ብተሸከርካሪት እናዘዋወሮም ዝነበረ ሓበን ኣልጋው ብርያኑ ድማ ብኣርባዕተ ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ንኽቕፃዕ ከምዝተበየነሉ ኢንስፔክተር ገብረሚካኤል ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.