Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 604 ሰባት ብቫይረስኮሮና እንትተሓዙ 1 ሺሕን 65 ሰባት ድማ ካብቲ ቫይረስ ድሒኖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሕዳር ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 5 ሺሕን 466 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላብራቶሪ 604 ሰባት ቫይረስኮሮና ከምዝተረኸቦም ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብሓፈሻ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ በዝሒ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 109 ሺሕን 534 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊ 1 ሺሕን 65 ሰባት ካብቲ ቫይረስ ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ነዙይ ስዒቡ ድማ 69 ሺሕን 315 ሰባት ካብቲ ቫይረስ ድሒኖም።

ኣብ ናጥ ትማሊ ፀብፃብ 24 ሰዓታት ሓሙሽተ ሰባት ህይወቶም ዝሓለፈ እንትኸውን፥ ብሓፈሻ ድማ 1 ሺሕን 700 ሰባት ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወቶም ሓሊፉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.