Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዶን ውላድን ሓዊሱ ኣርባዕተ ሰባት ብውሕጅ ተወሲዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትማሊ ብዝወቕዐ ዝናብ ኣዶን ውላድን ሓዊሱ ኣርባዕተ ሰባት ብውሕጅ ከምዝተወሰዱ ተገሊፁ።

ትማሊ ምሸት ብዝወቕዐ ዝናብ ስዒቡ ምሸት ሰዓት 12:05 ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋስስልክ ላፍቶ ወረዳ 11 ወሰን ሩባ ማንጎ ሰፈር ናብ ዝርከቡ መንበሪ ኣባይቲ ውሕጅ ከምዝኣተወ ተገሊፁ፡፡

በዚ ድማ ኣዶን ውላድን ሓዊሱ ኣርባዕተ ሰባት በቲ ውሕጅ ተወሲዶም።

ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋን ባርዕ ሓዊን ከምዝሓበሮ፥ ኣብ መንበሪ ጠዝኦም ዝነበሩ ደቂ 3፣ 13፣ 15 ዓመት ሰገናትን ጓል 46 ዓመት ኣዶን ኢዮም በቲ ሓደጋ ውሕጅ ተወሲዶም።

እተን ጓል 46 ዓመት ኣዶ በቲ ሓደጋ ውሕጅ ዝተወሰዳ፥ ወላዲት ናይቶም ደቂ 13ን 15 ሰገናት ብምዃነን ከምዝኾነ በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ንጋቱ ማሞ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦመ።

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia #Flood #AddisAbaba

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.