Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከባቢ ፒያሳ ኣብ 7 ሹቓት ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 06 ጥሪ ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ወረዳ 10 ከባቢ ፒያሳ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ሽውዓተ ሹቓት ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙ።

ሎሚ መዓልቲ 4 ሰዓትን 40 ደቒቓን ዝተልዓለ እቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ሸውዓተ ሹቓትንግዲ ቃፀሎ ዝበፅሐ እንትኸውን፥ እቶም ክልተ ሹቓት ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝዓነዉ ተገሊፁ።

ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣዲስ ኣበባ፥ እቲ ባርዕ ሓዊ ተወሳኺ ሓደጋ እንተየብፀሐ ኣብትሕቲ ቁፅፅር ከውዕሎ ከምዝኸኣለ እውን ተሓቢሩ።

በቲ ዝተፈጠረ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝተፈጠረ ጉድኣት ከምዘየለን መበገሲ እቲ ሓደጋ እናተፃረየ ከምዝርከብን ተገሊፁ።

ኣብ ከባቢ እቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ዝተፈጠረሉ ቦታ ቤት ብልዒ፣ መሽጢ መነፀርን መመላኽዒ ቅብኣትን ዝበሉ ሹቓት ይርከቡ።

ብፍሬህይወት ሰፊው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.