Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣሶሳ እናተኸበረ ዝፀንሐ መዓልቲ ቱሪዝም ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)“ሓዱሽ ሓሳብ ንቱሪዝም” ብዝብል መሪሕ ቃል ብብርኪ ሃገር ኣብ ከተማ ኣሶሳ እናተኸበረ ዝፀንሐ መዓልቲ ቱሪዝም ተዛዚሙ።

ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸበረ መዓልቲ ቱሪዝም ወለዶ ንባዕሉን ሃገሩን ንኣለምን ንኸፋልጥ ዕድል ዝፈጠረ ኢዩ።

ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ውሽጢ ዓዲ ምስሊ÷ ሃገር ብምህናፅ መስሕባት ቱሪዝም ናይ ምጉብናይ ልምዱ ብምስፋሕ ኣብቲ ዓውዲ ተረባሕቲ ንምዃን ከምዝሕግዝ ኣፍሊጠን፡፡

ኣብ ዝቕፅል ዓመት ዝኽበር መዓልቲ ቱሪዝም ንምስንዳእ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝተመረፀ እንትኸውን÷ እቲ ክልል ሓዱሽ ከም ምዃኑ መጠን ኣብቲ ክልል ዝርከቡ መስሕባት ቱሪዝም ንምፍላጥ ከምዝሕግዞ ተሓቢሩ፡፡

ርዕሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን÷ እቲ በዓል ብሰላም ብምዝዛሙ ንህዝቢ እታ ከተማ ኣመስጊኖም።

ብሜሮን ሙሉጌታ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.