Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 75 ዓለም ለኸ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ይሰርሑ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድሊዮም ሓገዝ ንምግባር ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 75 ዓለም ለኸ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ እናተንቀሳቐሱ ከምዝኾኑ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ሳምንታዊ መግፂ ሂቦም፡፡

ኣብ መግለፂኦም ድማ ኣብዚ ሰሙን ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ፣ ውጥጥ ዶብ ኢትዮ – ሱዳን፣ ሃገራዊ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ጉዳያት ከምኡ እውን ኣብ ስራሕቲ ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድሊዮም ወገናት ብቕልጡፍ ንምብፃሕ ኣብ 36 ወረዳታት እቲ ክልል ኣብ ዝተጣየሻ 92 ጣቢያታት መከፋፈሊ ርዳእታ ኣቢሉ እናተኸፈፈለ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ብኻሊእ መዳይ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ቱርኪ ከተማ ኣንካራን ኣብ ህንዲ ከተማ ኒውደልሂን ብዝገበሩዎ ዑደት፥ ኢትዮጵያ ምስተን ሃገራት ዘለዋ ክልተኣዊ ምትሕብባር ንምድንፋዕ ዕዉት ልዝብ ምግባሮም ኣብሪሆም፡፡

ኢትዮጵያ ምስ ክልቲአን ሃገራት ዘለዋ ጥቡቕ ምትእስሳር ንግዲን ኢንቨስትመንትን ብዝበለፀ ንምዕባይን ብሓባር ንምስራሕን ዘኽእል ምርድዳእ ከምዝተገበረ እቶም ኣቐባሊ ቃል ገሊፆም፡፡

ሚኒስትር ጉዳያ ወፃኢ ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ቻይና መዘነኦም ብስልኪ ከምዝተዛተዩ ዝገለፁ ኣምባሳደር ዲና፥ ኣብ እዋን ዘተኦም ድማ ጉዳይ ትግራይ ከምቲ መራኸብቲ ሓፋሽ ምዕራባውያን ዘጋውሑዎ ከምዘይኮነን መንግስቲ ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዝ እናቕረበ ምዃኑን ምግላፆም ተዛሪቦም፡፡

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዜጋ ተኮር ኣዲፕሎማሲ ድሂቦም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ድማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፕውያን ካብ 8 ክሳብ 22 ለካቲት 2021 ካብ ጅዳን ሪያድን 699 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዝተገበረ ኣፍሊጦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.