Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ጋምቤላ ብሽርሒ ግብረራዕዲ ዝተጠርጠሩ 65 ውለቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኣብ ክልል ጋምቤላ ምስ ፅንፈኛ ህወሓትን ኦነግ ሸኔን ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 65 ውለቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ህዝቢ እቲ ክልል ምስ ሓይሊታት ፀፅታ ብምስላፍ ሽርሒ እቲ ፅንፈኛ ጉጅለን ካልኦት ዕሱባትን ብምምካን ናይ ባዕሉ ግደ ንኽዋፃእ እውን እቲ ኮሚሽን ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ኮማንደር ኡማን ኡጋላ፥ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ተጠርጠርቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ትካላትን ጉድኣት ንምብፃሕ እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኢዮም ኢሎም።

ምስ ህወሓትን ካልኦት ጉጅለ ሽበራታትን ብምውዳድ ዕሱባት ብምውፋር ኣብ ልዕሊ ህይወት ንፁሃንን ማውቲን ጉድኣት ንምብፃሕ ሓሲቦም እናሰርሑ ከምዝነበሩ ተዛሪቦም።

ይኹን እምበር ፖሊስ ኮሚሽን ጋምቤላ ሽርሒ እቲ ጉጅለ ብምግንዛብ ምስ ካልኦት ኣካላት ፀፅታ ተዋዲዱ ብዝገበሮ ክትትል ክሳብ ትማሊ ኣብ ዘሎ እዋን 65 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ከውዕል ከምዝኸኣለ ምግላፁ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.