Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኮምፕሬንሲብ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ደብረ ብርሃን ሓንቲ ኣዶ ኣርባዕተ ህፃናት ተገላጊላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኮምፕሬንሲብ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ደብረ ብርሃን ሓንቲ ኣዶ ኣርባዕተ ህፃናት ተገላጊላ።

ሓኪም ማህፀንን ጥንሲን እቲ ሆስፒታል ዶክተር ዳግም ሽመላሽ ÷ ወይዘሮ ኣፀደ ገብረሃና ዝተብሃለት ኣዶ ብዝተገበረላ ክትትል ሕክምና ብመጥባሕቲ ኣርባዕተ ህፃናት ምግልጋላ ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን እታ ኣዶን ኣርባዕቲኦም ደቃን ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ጥዕና ከምዝርከቡ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ታሪኽ እቲ ሆስፒታል ሓንቲ ኣደ ኣርባዕተ ዕሸላት እንትትገላገል ንፈለማ እዋን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ከምዝኾኑ ዝሓበሩ እቶም ዶክተር÷ ድሕሪ ሰለስተ መዓልተ ካብ ሆስፒታል ክወፅኡ ከምዝኽእሉ ገሊፆም፡፡

ብኤልያስ ሹምዬ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.