Fana: At a Speed of Life!

ኩለመዳይ ምዕባለ ሃገር ንምርግጋፅ ግደ መናእሰይ ዝዓዘዘ ኢዩ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩለመዳይ ምዕባለ ሃገር ንምርግጋፅ ግደ መናእሰይ ዕዙዝ ከምዝኾነ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ተዛሪቦም።

“መሰረታዊ ኣተሓሳስባታትን ሓሳባትን ፓርቲ ብልፅግና” ብዝብል ርእሲ ካብ 3 ክሳብ 11 መጋቢት 2015 ዓ.ም ንኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና እናተውሃበ ዝነበረ ስልጠና ተዛዚሙ፡፡

ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ሓላፊ ዋና ቤት ፅሕፈት እቲ ፓርቲን ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ መዛዘሚ እቲ ስልጠና፥ መናእሰይ መሰረታዊ ሓሳባት እቲ ፓርቲ ብምርዳእ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ብዙሓት ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ንምፍራስ ኣብ ዝተሰሓሓቱ ዛዕባታት ብምትኳር እናሰርሑ ከምዝኾኑ ዝሓበሩ ኣይተ ኣደም ፋራህ፥ “መናእሰይ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ንምጥንካርን ዘላቒ ሰላም ንምህናፅን ክሰርሑ ይግባእ” ኢሎም።

ሓላፊ ዘፈር ፓርቲታት ፖለቲካን ሲቪል ማሕበራትን ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ መለሰ ኣለሙ፥ ብልፅግና ተምሳሌት ምዕበለ ኣፍሪካ ንምዃን እናሰርሐ ዝርከብ ፓርቲ ከምዝኾነ ብምፅራሕ፥ መናእሰይ ሃገር ካብ ድኽነት ናብ ምዕባለ ንምስጋር ብሓሳብ ምድማር ኣብ ሃገራዊ ሓድነት ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ጌታቸው ጀምበር ብግደኦም÷ “መናእሰይ ሃገር ዝጀመረቶ ልምዓትን ምዕባለን ንኽረጋገፅ፤ መምርሒታት እቲ ፓርቲ ተሓሊዮም ተግባራዊ ንኽኾኑ ክሰርሑ ይገባእ” ምባሎም ካብቲ ፓርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.