Fana: At a Speed of Life!

ኩባኒያታት ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ከፍስሱ ከምዝደልዩ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዙሓት ኩባኒያታት ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ከፍስሱ ከምዝደልዩ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ሬሚ መርቻው ገሊፆም።

ኣምባሳደር ሬሚ መርቻው ምስ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብስራሕቲ ኢንቨስትመንት ተዋፊሮም ዝርከቡ ኩባኒያታት ፈረንሳይ 55 ምብፀሖም ተዛሪቦም።

እቶም ኩባኒያታት ኣብ ዘፈር ሓይሊ ኤሌክትሪክ፤ ብፍላይ ኣብ ልምዓት ሓይሊ ሃፋን ማይን ከምኡ እውን ኣብ ዘፈር ምፍራይ ተዋፊሮም ከምዝርከቡ ገሊፆም።
ካበዚ ብተወሳኺ ኣብ ዘፈራት ሎጂስቲክስ፣ ሓይሊ፣ መጓዓዝያን ቴክኖሎጂን ንምውፋር ልዑል ድሌት ኣለዎም ኢሎም።

ኤምባሲ ፈረንሳይ፥ ብዙሓት ኢነርቨስተራት ናብ ኢትዮጵያ ንኽመፅኡ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝኾነ እቶም ኣምባሳደር ኣብሪሆም።

ካብ ሞንጎእዚኣቶም ድማ “ልኡኽቶ ኣፍሪካ” ብዝብል ርእሲ ዝተዳለወ ኩነት ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሕዳር ከምዝሳለጥ ተዛሪቦም።

ኣብ ወርሒ ጥሪ እውን በቲ ምንቅስቓስ ኣቢሉ እቲ ዝዓበየ ማሕበር መልማዕቲ ፈረንሳይ ናብ ኢትጵያ መፂኡ ዑደት ከምዝገብር ኣብሪሆም።

ፕሬዚዳንት ፈፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሩዎ ዑደት ስዒቡ፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ከምዝተጠናኸረ እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.