Fana: At a Speed of Life!

ዋትሳፕ ተጠቀምቲ ዝልኣኹዎ መልእኽቲ “ኤዲት” ንክገብሩ ከፍቅድ’ዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋትሳፕ፥ ተጠቀምቲ መልእኽቲ ድሕሪ ምልኣዀም ኣብ ውሽጢ 15 ደቓይቕ ነቲ ዝልኣኽዎ መልእኽቲ ክእርሙ ወይ “ኤዲት” ክገብሩ ከፍቅደሎም ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ዋትሳፕ፥ ኣካል ንማሕበራዊ መራኸቢታት ፌስቡክን ኢንስተግራምን ዝውንን ኣሜሪካዊ ኩባኒያ ቴክኖሎጂ ዝኾነ ሜታ’ዩ።

መወዳድርቲ ዋትሳፕ ዝኾኑ መተግበሪታት መልእኽቲ ቴሌግራምን ሲግናልን እዚ ኣገልግሎት ከም ዘፍቅዱ ይፍለጥ።

እዚ ሓድሽ ኣገልግሎት ዋትሳፕ፥ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ንክልተ ቢልየን ተጠቀምቲ እቲ መተግበሪ ወግዓዊ ክኸውን እዩ።

“ግድፈት ፊደላት ካብ ምስትኽኻል ጀሚሩ እቲ መልእኽቲ ምትዕርራይ እትኽእልሉ ቴክኖሎጂ ኣምፂእና እትልእኽዎ መልእኽቲ ክትቈፃፀሩ ገይርና ኣለና” ክብል እቲ መተግበሪ ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ነቲ መልእኽቲ ጠዊቕኽካ ብምፅናሕ ድሕሪኡ “ኤዲት” ዝብል ብምምራፅ ኣብ ውሽጢ 15 ደቓይቕ ከተዐርዩዎ ትኽእሉ ኢኹም” ክብል ገሊፁ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.