Fana: At a Speed of Life!

ውስንነት ዕቤት ኣእምሮ ንዘለዎም ክፋላት ሕብረተሰብ ዕድል መሃብ ይግባእ -ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ውስንነት ዕቤት ኣእምሮ ንዘለዎም ክፋላት ሕብረተሰብ ዕድል መሃብ ከምዝግባእ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

ዓለም ለኸ መዓልቲ ውስንነት ዕቤት ኣእምሮ (ዳውን ሲንድረም) “ስለና ምሳና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብኣሰናዳእነት ፋውንዴሽን ዲቦራ ኣብ ወዳጅነት ፓርክ ይኽበር ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ መልእኽቲ ዘመሓላለፋ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፥ “ውስንነት ዕቤት ኣእምሮ ዕሽሽ ዝተብሃለ፤ ግን ድማ ትኹረት ዝጠልብ ኢዩ” ኢለን።

ሕብረተሰብ እዚ ፀገም ብምርዳእ ነዞም ካፋላት ማሕበረሰብ ዕድል ክህብ ከምዝግባእ ዝሓበራ እተን ፕሬዚዳንት፥ እቲ መዓልቲ ካብ ሓደ መዓልቲ ሓሊፉ ዓመት ሙሉእ ክስረሐሉ ዝግባእ ከምዝኾነ ኣመልኪተን።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ብግደአን፥ ኣብ ውሽጢ ውስንነት ዕቤት ኣእምሮ ንዝርከቡ ዜጋታት ዝሓሸ ኣገልግሎት ንመሃብ በቲ ሚኒስቴር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ገሊፀን።

መስራቲ ፋውንዴሽን ዲቦራ ኣይተ ኣባ ዱላ ገመዳ፥ ውስንነት ዕቤት ኣእምሮ ዘለዎም ዜጋታት ከም ዝኾነ ይኹን ዜጋ ሃገሮም ዝጠቕሙ ከምዝኾኑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እቲ ፋውንዴሽን ሃገሮም ዘኹርዑ ወለዶታት ንምፍጣር ዓሊሙ ኣብዚ ፀገም ንዝርከቡ ዜጋታ እናሓገዘ ከምዝርከብ እውን ኣብሪሆም፡፡

#Ethiopia #downsyndromeawareness #health

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.