Fana: At a Speed of Life!

ዓውዲ ስራሕን ክእለትን ናይ ኩሉ ተሳትፎ ይጠልብ- ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓውዲ ስራሕን ክእለትን ብዙሓት ዕድላተን ዕንቅፋታትን ዘለውዎ፣ ናይ ኩሎም ኣካላት ተሳትፎን ምንቅስቓስን ዝጠልብ ዓውዲ ኢዩ ክብላ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ተዛሪበን።

መበል ካልኣይ ብሄራዊ ጉባኤ ስራሕ ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ።

እቲ ጉባኤ “ዘላቒ ስራሕ ንብሩህ ፅባሕ” ዝብል መሪሕ ቃል ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ኣብቲ ጉባኤ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን፣ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፋሪያት ካሚልን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መነግስቲን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ኣብቲ ጉባኤ ኣብ 2014 ዓ.ም 1 ሺሕን 847 ማእኸላት ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ከምዝተለለዩ ተገሊፁ።

እቶም ማእኸላት ሎሚ መዓልቲ ኣፈልጦን ሽልማተን ተዋሂቡዎም።

ብተወሳኺ ውፅኢታዊ ስራሕ ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት እተን ማእኸላት ኣፍልጦን ሽልማትን ከመዘተውሃቦም ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.