Fana: At a Speed of Life!

ዜጋታት ዝኾነ ይኹን ዘጠራጥር ነገር አንትዕዘቡ ብመስመር ስልኪ 910 ሓበሬታ ንኽህቡ ፃዊዕት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዜጋታት ዝኾነ ይኹን ንሰላምን ምርግጋእን ሃገርን ህዝቢን ዕንቅፋት ዝኾነ ከምኡ እውን ምስ ሃገራዊ መረፃ ተተሓሒዙ ስግኣት ድሕንነት ክፈጥሩ ዝኽእሉ ዘጠራጥሩ ነገራት አንትዕዘቡ ብመስመር ስልኪ 910 ብምድዋል ሓበሬታ ንኽህቡ ብሄራዊ ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ፀዊዑ።

እቲ ብሄራዊ ኣገልግሎት፥ ዜጋታት ዘጠራጥሩ ነገራት እንትዕዘቡ በቲ ሓፂር መልእኽቲ መውሃቢ ሓበሬታ ብመሃብ ኣብ ሓበራዊ ድሕንነት ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦ ከበርክቱ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ብሄራዊ ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ድሕንነትን ብሄራዊ ረብሓን ሃገር ንምሕላው ልኡኽቶ ዝተውሃቦ ትካል እንትኸውን፥ እቲ ቤት ዕዮ ብሄራዊ ኣገልግሎት ልኡኽትኡ ንምውፃእ ዝሕግዙ ሓበሬታታት፣ ብምእካብን ብምትንታንን ንዝምልከቶ ኣካል ይህብ።

ስራሕቲ እቲ ትካል ስሉጥን ውፅኢታዊን ንኽኸውን፥ ግደ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ዕዙዝ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.