Fana: At a Speed of Life!

ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ብድርቂን ጎንፂን ንዝተጎድኡ ወገናት 1 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ሰብዓዊ ሓገዝ ክትገብር ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ድርቂን ጎንፂን ንዝተጎድኡ ወገናት ዝውዕል 1 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ዘውፅእ ሰብዓዊ ሓገዝ ክትገብር ኢያ።

ሓበሬታ ኤምባሲ ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘመላኽቶ÷ እቲ ሓገዝ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋር፣ ኣምሓራ፣ ቤኒንሻንጉል ጉሙዝን ሶማሌን ንዝርከቡ ንጉድኣት ተቓላዕቲ ወገናት ዝወሃብ ኢዩ፡፡

ድሕንነት ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ፣ ኣዴታትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ስርዓት ፆታን ስነ ተዋልዶን ዝግበር ክትትል ጥዕና ሓገዝ ምግባር፣ ንህፃናት ሃናፂ ምግቢ ተበፃሒ ንምግባር ከምዝውዕል ተሓቢሩ፡፡

ኣብተን ክልላት ብምኽንያት ዘጋጠመ ጎንፂን ድርቂን ንዝተመዛበሉን ናብ መረበቶም ዝተመለሱን ወገናት እቲ ህፁፅ ሓገዝ ተበፃሒ ከምዝኸውን ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.