Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 05 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ፒተር ማውራ ሎሚ መዓልቲ ተዛቲየን።

እቲ ዘተ ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክሊ ዝፍፅሞም ዘሎ ተግባራት ትኹረት ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ።

ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ጎንፂ ጎሳን ዘይምርግጋእን ንዝተጎድኡ ወገናት ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ፕሬዚዳንት ፒተር ማውራ ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዘሳልጡ ዘለዉ እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ክልል ሶማሌ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ብምርኻብ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ልዝብ ከምዝገበሩ ይዝከር።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.