Fana: At a Speed of Life!

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ምግቢ ሓዊሱ መሳርሒታት ሕክምና ናብ ክልል ትግራይ ከምዘብፀሐ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 15 ሕዳር 2022 ጀሚሩ 2 ሺሕን 400 ሜትሪክ ቶን ምግቢን 100 ሺሕ ሊትሮ ነዳዲ ናብ ክልል ትግራይ ከምዘብፀሐ ኣፍሊጡ።

250 ቶን መሳርሒታት ሕክምና ብመዳይ ሎጅስቲክስ ናብቲ ክልል ከምዘጓዓዓዘ እውን ወሲጁ ሓቢሩ፡፡

ብመሪሕነት ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ብኣየር ዝግበር ኣገልግሎት ቀረብ ሰባኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት መንግስታት÷ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ናብ መቐለ በረራ ከምዝጀመረ እውን ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.