Fana: At a Speed of Life!

ሀገራዊ ዓውደ መፅናዕቲ ማዕቐፍ ልምዓት ስፓሽያል ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ምስ ክፍሊ ስራሕ ልምዓት ከተማ ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብምትሕብባር ሀገራዊ ዓውደ መፅናዕቲ ማዕቐፍ ልምዓት ስፓሽያል ጀሚሩ።

ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ፥ ካብ ቢሮታት ትካላት ፕላንን ልምዓትን ክልላት፣ ፋይናንስን ኢኮኖሚን፣ ሕርሻን ሰበኽ ሳግምን ከምኡ እውን ከተማን ኮንስትራክሽንን ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ከምዝተሳተፉ ተገሊፁ፡፡

ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሕ ዓውደ መፅናዕቲ ሓላፊን ኣማኻሪን ቤት ፅሕፈት ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ኣይተ ገረመው ነጋሳ ዘጀመሩዎ እንትኾኑ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ዝነበራ ዕቤት ኢኮኖሚ ኣልዒሎም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒን ንኹሉ ዘካተተን ልምዓት ንምምፃእ ዝተፈላለዩ ንፀገማት እታ ሃገር መፍትሒ ክኸውን ዝኽእል ልምዓት ስፓሽያል ምስንዳእ ኣዚዩ ኣድላዪን እዋናዊን ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.