Fana: At a Speed of Life!

ሃይማኖታዊ በዓል ሕዳር ፅዮን ንምኽባር ናብ ከተማ ኣክሱም ዝኸዱ ኣጋይሽ ኣቀባብላ ይግበረሎም ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃይማኖታዊ በዓል ሕዳር ፅዮን ንምኽባር ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያን ወፃኢ ዓዲን ናብ ከተማ ኣክሱም ዝኸዱ ኣጋይሽ ኣቀባብላ ይግበረሎም ከምዘሎ ተገሊፁ።

ኣብቲ ፅባሕ 21 ሕዳር ብዝለዓለ ድምቀት ዝኽበር ሃይማኖታዊ በዓል ሕዳር ፅዮን ንምስታፍ ናብ ከተማታት ንሽረን ዓድዋን ብዘዉፅኡ ክልተ መገዲታት ኣቢሎም ናብታ ከተማ ዝኣትዉ ቁፅሮም ብርክት ዝበሉ ኣጋይሽ ስነስርዓት ምሕፃብ እግሪ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ስነስርዓት ካብ ቀደም ዝፀንሐ እንትኸውን፥ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ሕፅበት ድማ ናብዚ ዝተቐደሰ ስፍራ ዝመፅኡ ኣጋይሽ ብኽብሪ ተቐቢልኻ ኣኽቢርካ ምስናይን ከምዝኾነ ይግለፅ።

እቶም ኣጋይሽ ድሕሪ እግሮም ምሕፃብ ንከዕርፉሎም ተባሂሉ ብርክት ዝበሉ ዳሳት ተሰሪሖም ኢዮም።

ብኻሊእ መዳይ ምምሕዳር ከተማ ሸረ እንዳስላሰ ብምኽንያት በዓል ሕዳር ፅዮን ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ናብ ኣክሱም ይኸዱ ንዘለዉ ኣጋይሽ ኣቀባብላ ይገብር ከምዘሎ ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ነቶም ኣጋይሽ ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ ተረኺቦም እንኳዕ ዳሓን መፃኹም ኢሎም ዝቕበሉዎም ዘለዉ ዝተፈላለዩ ክፋል ሕብረተሰብን መራሕቲ ሃይማኖትን እንትኾኑ፥ “ድሕሪ ከቢድ ኲናት ከምዚ ምርኣይና ንፈጣሪና ልዑል ምስጋና እናቕረብና እዚ ሎሚ ዝግበር ዘሎ ኣቀባብላ ኣጋይሽ ድማ ክቡር ባህሊ ትግራይ ስለ ዝኾነ ብታሕጓሶ ንቕበሎም ኣለና” ኢሎም።

ከንቲባ ከተማ ሸረ እንዳስላሰ ኣይተ ገብረመድህን የውሃንስ፥ ነቲ ኣቀባብላ ከም ከተማ ዝለዓለ ትኹረት ብምሃብ ዝተፈላለዩ ኮሚቴታት ብምጥያሽ ይስረሐሉ ከምዘሎ ገሊፆም።

መዕረፎ ነፈረቲ ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ መዓልታዊ በዝሒ በረራ ብምኽንያት በዓል ሕዳር ፅዮን ብምዝያድ የተኣናግድ ከም ዘሎ ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ፍሰት ቱሪዝማ ቀኒሱ ዝነበረ ከተማ ኣክሱም፥ ሐዚ ብዘሎ ሰላማዊ ኩነታት ብዝሓሸ መልክዑ ምንቅስቐስ ጀሚሩ ኣሎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.