Fana: At a Speed of Life!

ሃገርና ብመጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣይትፈርስን-መንግስቲ ክልል ደቡብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ክልል ደቡብ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊን ክልላዊን ጉዳይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ሃገርና ብመጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣይትፈርስን ክብል ገሊፁ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት እዛ ሃገር ይመርሓሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ገባሪን ሓዳጊን ብምዃነ መላእ ሃገርናን ህዝቢ ክልልናን በቲ ጉጅለ ራዕዲ ግልፂን ስውርን ኣእዳው ፅዕንቶ ይበፅሖም ነይሩ ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ሰብኣዊ ጉድኣት፣ ሃገርና ብምዝራፍ ልዑል በደል እንትፍፅም ፀኒሑ ኢዩ እውን ክብል ገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣጀንዳ በምቕራፅ ኣብ መንጎ ህዝቢ ምትእምማን ንከይህሊ ብምግባር ህዝቢ ክልልና ናይዚ ተግባር ግብረ ራዕዲ ሰለባ ኮይኖም ኢዮም ኢሉ እቲ ክልል ኣብ መግለፂኡ።

ብዙሓት ተግባራር ራዕዲ ኣብ ምፍፃም ዝርከብ እተ ጉጅለ፥ ብናይ ህዝብታት መሪር ቃልሲ ብልዕልነት ካብ ዝተቖፃፀሮ ስልጣን መንግስቲ ፌዴራል ድሕሪ ምውጋዱ ብቓላት ንምግላፅ ካብ ዝከኣል ንላዕሊ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ግፍዒ ይፍፅም ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቲ ጉጅለ ራዕዲ ኣብዛ ሃገር ዝተጀመረ ለውጢ ንድሕሪት ንምምላስ ኩለመዳይ ኣማራፅታት በምጥቃም በደለ ከምዝፈፀመ እውን ኣፍሊጡ።

ግብረ ራዕዲ ትህነግ ዋልታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መጥቃዕቲ ካብ ዝፍፅም ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ሃገርና ግልፂ ኲናት ኣዊጁ ኢዩ ኢሉ።

በቲ ዝተኸፈተ ኲናት ብዙሓት ብግፍዒ ተቐቲሎም፣ ደቂ ኣኒስቲዮን ህናትን በቲ ጉጅለ ራዕዲ ኣገዲድካ ምድፋር ገበን ተፈፂሙዎም፣ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት እውን ልዑል ቁፅሪ ዘለዎም ከምዝኾኑ አብሪሁ።

እቲ ጉጅለ ራዕዲ ንብረት ህዝብን ሃገርን ምዕናውን ዓቕሙ ክሳብ ዝኸኣለ ዘሪፉ ምውሳድን ናይ ጭካንኡ መግለፂ ኢዩ።

መሰረት ናብራ ሓረስቶት ዝኾነን ምስቲ ኲናት ምንም ርክብ ዘይብሎምን እንስሳ ዘቤት ብምቕታል ተግባር ጭካነ ፈፂሙ ኢዩ ኢሉ።

መንግስቲ እቲ ክልል፥ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዝተከፈተ ኲናት ብዘተኣማምን ደረጃ ብምምካትን ዓወት ብምሕፋስን ትንሳኤ ኢትዮጵያ ዕላዊ ክንገብር ኢና ኢሉ።

እቲ ወፍሪ ህልውና ኣብ ሸትኡ ንምብፃሕ መላእ ህዝቢ ሃገርናን ክልልናን ዝጀመርዎ ኩለ መዳይ ድጋፍ ኣጠናኺሮም ንክቕፅሉ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.