Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ መሰሉ ንምርግጋፅ ኣብ ዘካየዶ ቃልሲ እጃም ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝዓዘዘ ነይሩ – ዶ/ር ደብረፂዮን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክትር ደብረፂዮን ገብሚካኤል ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ (ማርች 8) ብዝምልከት ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብ መልእኽቶም፥ ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊን ዴሞክራሲያዊን መሰሉን ክብረቱን ንምርግጋፅ ኣብ ዘካየዶ ዘይሕለል ቃልሲ፣ እጃምን ቅያን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ መዘና ከምዘይነበሮ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ምዃኑ ኣብሪሆም።

“ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ፣ ወያነና ኣብ ኩሎም መድረኻት ዘጓነፍዎ ማሕለኻታት ብፅንዓትን ጅግንነትን በዲሁ ናብ ዓወት ክበቅዕ ዝተፃወትኦ ግደ ኣብ ታሪኽ ወያነና ኩሉሻዕ እናተዘከረ ዝነብር ምዃኑ ክስመረሉ ይግባእ” ክብሉ እውን ገሊፆም።

ናይዚ መዋእል መንእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ፥ ናይተን ዋዕሮታት ተጋሩ ኽብርታት ኣፅኒዐን ብምሓዝ፣ ኣብ ግዜአን ነባሪ ታሪኽ ክሰርሓ፣ ኣብ ዘዝተዋፈራሉ ዓውደ ስራሕ በርቲዐን ክነጥፋ ከምዝግባእ ድማ ብምኽንያት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላልፉዎ መልእኽቲ ኣዘኻኺሮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.