Fana: At a Speed of Life!

ሆስፒታል ለምለም ካርል ማይጨው ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ዘኽእል ቅድመ ምድላዋት የካይድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ኣድለይቲ ቅድመ ምድላዋት እናካየደ ከም ዝርከብ ሆስፒታል ለምለም ካርል ማይጨው ገሊፁ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ኣይተ ገብረእግዚኣብሄር ኪሮስ፥ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ከየጋጥም ዝከታተል ኮሚቴ ብተጣይሹ ኣሎ።

በቲ ቫይረስ ዝተጠርጠሩ ሰባት እንተጋጥሙ ድማ ተፈልዮም ዝፀንሕሉ ክፍልታት ኣብቲ ሆስፒታል ከምዝተዳለወ ኣብሪሆም።

ሰራሕተኛታቱ ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ንክገብሩ ዘኽአል መድረኽ መዕበዪ ግንዛበ  ከምዘካየደ ዝገለፀ  እቲ ሆስፒታል፥ ሰብ ሞያ ጥዕና ተዳልዮም ከም ዘለዉ እውን እቶም ኣካያዲ ስራሕ  ሓቢሮም።

ሕብረተሰብ ካብ ጭንቅን ምድንጋርን ወፂኡ ኣድላዪ ምክትታል ክገብር ከም ዘለዎ ድማ ኣተሓሳሲቦም ክብል ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ዞባ ደቡብ ትግራይ ገሊፁ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.