Fana: At a Speed of Life!

ለበዳ ቫይረስኮሮና ስዒቡ በጀት ዓውዲ ጥዕና ኢትዮጵያ ብ46 ሚኢታዊ ዓብዩ-ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ስዒቡ በጀት ዓውዲ ጥዕና ብ46 ሚኢታዊ ክዓቢ ከምዝገበረት ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብምኽኒያት እቲ ቫይረስ ባህጊ ትካላት መውሃቢ ኣገልግሎትን ናውቲ መሐለዊ ፅርየት ውልቀን ከምዝወሰኸ  ፋይናንሺያል ታይምስ ኣብ ዘሰናድኦ ኮንፈረንስ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ኮንፈረንስ ንዓውዲ ጥዕና ዝወዓለ ተወሳኺ ወፃኢ እንትረአ ኣብዛ ሃገር ንዓውዲ ጥዕና ዝግበር ክፍፍል በጀት ኣብ መበል ራብዓይ ክቕመጥ ከምዝገበረ ሓቢሮም።

ሎሚ ዘበን እውን 18 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ዝተሰለዐ እንትኸውን፥ እዚ ምስ ሕሉፍ በጀት እንትነፃፀር ብ12 ነጥቢ 64 ቢሊየን ብር ወሰኽ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ፍልፍል፥ ሬውተርስ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.