Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ጀኔራል ብርሃኑ ጁላ ምስ ኣምባሳደር እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ጀኔራል ብርሃኑ ጁላ ምስ ኣምባሳደር እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሊስተር ሚሲፔል ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ብዛዕባ ጉዳያት ሰላም ድሕንነትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣድሂቦም ዘቲዮም፡፡

ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ጀኔራል ብርሃኑ ጁላ፥ ኢትዮጵያ ብመንፅር ዘለቶ እዋናዊ ኩነታትን ምስ ሃገራት እቲ ዞባ ዘለዉ ሕድሕድ ርክባትን ብምርኣይ ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ብዕቱብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣብ ኣህጉራዊ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉን ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ሰላምን ድሕንነትን ሃገር ንምሕላው ኣብ ዘተኣማምን ቁመና ከምዝርከብን እውን ኣረጋጊፆም፡፡

ኣምባሳደር ኣሊስተር ሚሲፔል ብግደኦም፥ ሃገሮም ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2020 ጀሚራ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ርክብ ከም ብሓዱሽ ብምርኣይ ዝጀመረቶ ምዕራፍ ኣብ መርህ ዝተደረኸ ገይራ ንኽትቅል፤ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ክልተኣዊ ርክብ ርኡይ ተራ ከምዝፃወት ገሊፆም፡፡

እንግሊዝ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ንምስግጋር፥ ብወታደራዊን ሰላምን ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ተተሓሓዝቲ ጉዳያት ዘድሃቡ ልዝባት ምግባሮም ተዛሪቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.