Fana: At a Speed of Life!

ልምዓት ተፋሰስ ንዕብየት ሕርሻ መሰረት እዩ – ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2014(ኤፍ ቢሲ)ልምዓት ተፋሰስ ንዕብየት ሕርሻ መሰረት እዩ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ገሊፆም፡፡

እቶም ርእሰ ምምህዳር ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስ 2014 ዓ.ም ብብርኪ ክልል ኣብ ወረዳ ዳሌ ቀበሌ ቃሊቴ ሲሚጣ ኣጀሚሮም፡፡

ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ተፋሰስ ልምዓት ክልል ሲዳማ 546 ነባርን 100 ሓደሽቲ ተፋሰሳትን ብሓፈሻ 646 ተፋሰሳት ዝለምዑ እንትኾኑ፤ እዚ ድማ ኣብ 108 ሽሕ 296 ሄክታር መሬት ዝለምዕ ከምዝኾነ እቶም ርእሰ ምምሕዳር ገሊፆም፡፡

ሓላፊ ሕርሻን ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮን ክልል ሲዳማ መስፍን ቃሬ ፥ ናይ ሎሚዘበን ልምዓት ተፋሰስ ካብ ልምዓት ሓመድን ሓለዋን ሓሊፉ ልምዓት ሓጋይ፣ ሓምለዋይ ልምዓትን ካብ ዝኾነ ይኹን ነገር ናፃ ዝኾነ ከባቢ ንምፍጣር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ኣማኻሪ ሚኒስትሪ ሕርሻ ወንዳለ ሃብታሙ ብግደኦም፥ ልምዓት ተፋሰስ እንተዘይሃልዩ ኣብ ዘፈር ሕርሻ ዝተተሓዘ ትልሚ ንምስኻዕ ከቢድ ከምዝኾን ኣረዲኦም፡፡

ኣብ ክልል ሲዳማ ሎሚ ዝተጀመረ ልምዓት ተፋሰስ ኣብ ኩለን ከባብታት እቲ ክልል ዝትግበር ኢዩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.