Fana: At a Speed of Life!

ሓለፍቲ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ክልል ደቡብ ይሳለጡ ንዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ኣትክልትን ፍራምረን ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ቕነ ኣብ ማእከል መሰልጠኒ ቡታጅራ ክስልጥኑ ዝቐነዩ ሓለፍቲ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዞባ ጉራጌ ወረዳ መስቃን ብሞዴል ሓረስቶት እናለምዐ ዘሎ ስራሕቲ ልምዓት ኣትክልትን ፍራምረን ዑደት ገይሮም።

ሓረስቶት እቲ ዞባ ብፍላይ ኣቮካዶ ብምልማዕ ናብ ወፃእ እናልኣኹ ምዃኖም ኣብ እዋን እቲ ዑደቶም ተጠቒሱ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ደቡብ ኣይተ ጥላሁን ከበደ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ክልል እናለምዑ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ኣትክልትን ፍራምረን ኣብ ሓፂር እዋን ካብ ድኽነት ንምውፃእ ንእንገብሮ ፃዕሪ ሓጋዚ እዩ ኢሎም።

ብሞዴል ሓረስቶት ዝተጀመረ ልምዓት ናብ ኩሉ ክፍሊ ማሕበረሰብ ንክባፃሕ ምስራሕ ከምዝግባእ ምሕባሮም ቢሮ ኮምኒኬሽን እቲ ክልል ገሊፁ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ኣርባዕተ ማእኸላት መሰልጠኒ እታ ክልል ኣብ ስልጠና ዝነበሩ ሓለፍቲ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና፤ ኣብ ከተማ ቡታጅራ፣ ሆሳዕና፣ ኣርባ ምንጭ፣ ወላይታ ሶዶን ኣጎራበቲ ዞባታትን ብሞዴል ሓረስቶት ዝተሳለጡ ልምዲ ስራሕቲ ልምዓት ተዓዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.