Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ናፅነት ዓፋር ብምጥቃም ናብ ጂቡቲ ንምስጋር ዝተወጠነ ትልሚ ፈሺሉ ኢዩ – ኣይተ ኣወል ኣርባ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ እዋን ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ሰራዊት ምክልኻልን ክልል ዓፋርን ተዋዲዶም ብዝገበሩዎ ወፍሪ ኣብ ልዕሊ እቲ ጁናት ዓወት ብምሕፋስ ምኽኣሎም ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ ገሊፆም።

ህወሓት ንመፈፀሚ ናይ ጥፍኣት ዕላምኡ ልዕሊ ሓደ ዓመት እናሰልጠኖምን እናዕጠቖምን ዝነበረ ንባዕሎም ናፅነጥ ዓፋር ኢሎም ዝፅውዑ ዕጡቓት ኡጉጉሙ፥ ናብ ሰላም፣ ድርድርን ልምዓትን ምእታው ከምዝተኽኣለ ገሊፆም፡፡

ስለዝኾነ ድማ እቲ ጁንታ ኡጉጉሙ ተጠቒሙ ናብ ጅቡቲ ንምስጋር ዝወጠኖ ትልሚ ክፍሽል ክኢሉ ኢዩ ኢሎም፡፡

ሰራዊት ምክልኻልን ክልል ዓፋርን እቲ ሽርሒ ኣቐዲሞም ብምርዳእ ብቕልጡፍ ነቲ ከባቢ እንተዘይቆፃፀሩ ነይሮም፥ ኡጉጉሙ ብምጥቃም ኣመራርሓታት ጉጅለ ህወሓት ብቐሊሉ ናብ ጅቡቲ ከምልጡ ይኽእሉ ከምዝነበረ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.