Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ካብ ባንኪ ዓለም ፍቓድ ስራሕቲ ምምኻር ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ብፋይናንስ ባንኪ ዓለም ናይ ዝፍፀሙ ፕሮጀክትታት ናይ ምምኻር ስራሕቲ ንምክያድ ዘኽአል ፍቓድ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ምስቲ ባንኪ ኣብ ዝተገበረ ዘተ እቲ ትካል ናይ ምምኻር ሰርሑ ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ ነክካይዶም ስምምዐነት ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ዳይሬክተር መምርሒ ዲዛይን ሲስተም መተሓላለፍቲ መስመራት ዓውዲ ኢንጂነሪንግ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ያሬድ ፍቃዱ፥ እቲ ትካል ናይ ሰርቬይንግ፣ ቅድመ ዲዛይን፣ ምድላው ቴክኒካል ስፔሲፊኬሽን፣ መግለፂ ድልየት፣ ምምሕዳር ኮንትራትን ስራሕቲ ቁፅፅር ኮንስትራክሽንን ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ ንክሰርሕ ፍቓድ ከምዝረኸቡ ገሊፆም።

ብፋይናንስ ባንኪ ዓለም ዝስርሑ ፕሮጀክትታት ህንፀት ወራቤ – ቡታጅራ ጣቢያ ምትሕልላፍን ምክፍፋልን፣ ፕሮቴክሽን ሪፍሬሽመንት ፕሮጀክትን ብናይ ባዕልኻ ፋይናንስ ዝስርሑ ዘለዉ ፕሮጀክትታት ኣፈፃፅምኦም ብምግምጋም ናይ ምምኻር ዕድል ምርካቡ ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.