Fana: At a Speed of Life!

ሓደ ሚሊየን ሕሙማት ዘድሐነ ማእኸል ሕክምና ካንሰር

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)“ጎልደን ኢራ” ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ ማእኸል ሕክምና ካንሰር እንግሊዝ ልዕሊ ሓደ ሚሊየን ሰባት ካብ ሕማሞም ከድሕኖም ክኢሉ፡፡

ትካል መፅናዕቲን ትንተናን ካንሰር እታ ሃገር ከምዝሓሮ÷ እቲ ማእከል ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ካንሰር ንምክልኻል ብዝገበሮ ፃዕሪ 1 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ሕሙማት ሓኪሙ፡፡

ከይዲ ኣወሃህባ ሕክምና እቲ ማእኸል ክፍተት ኣለዎ ዝተብሃለ እንትኸውን÷ ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ተሓከምቲ እኹል ሕክምና ከምዘይሃበ ተገሊፁ።

ዋና መካየዲ ስራሕ እቲ ገባሪ ሰናይ ማእኸል ሕክምና ሚስተር ሚሸል÷ ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ካንሰር ንምክልኻል ብዝተገበረ ፃዕሪ ኣብ እንግሊዝ በቲ ሕማም ዘሞቱ ዜጋታት ቁፅሮም ምንካይ ከምዝተኻእለ ገሊፆም፡፡

“ዩናይትድ ኪንግደም ንሕማም ካንሰር ትስዕሮ ኣላ” ሚስተር ሚሸል÷ ኣብታ ሃገር ብመንፅር ዘሎ በዝሒ ሕሙም ካንሰር ሕዚ እውን ስግኣታ ከምዘለዉ ሓቢሮም፡፡

ካንሰር ክሕከም ዝኽእል ሕማም ስለዝኾነ÷ መንግስታዊ ሓገዝን ቆራፅነትን እንተሃሊዩ ብዘሁያት ሰባት ምድሓን ከምዝከኣል ኣብሪሆም፡፡

ዓለም ለኻዊ ቁፅራዊ ሓበሬታ ካንሰር ከምዘመላኽቶ ኣብ ዓለምና ብዓመት ልዕሊ 10 ሚሊዮን ሰባት ሕይወቶም የሓልፍ፡፡

ኣሜሪካን ካናዳን ድማ ልዑል ቁፅሪ ሕሙም ካንሰር ዘለወን ሃገራት ከምዝኾና ዘጋርዲያን ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.