Fana: At a Speed of Life!

ዓበይቲ ረብሓታት ፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ክርስትናን እስላምናን ብኣማኢት ሚልዮናት ሰዓብቲ ዘለወን ሃይማኖታት ዓለም እየን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ብዙሓት ኣመንቲ እተን ሃይማኖታት በብእምነቶም እናፆሙ ይርከቡ።

ሰዓብቲ ክርስትና፥ እየሱስ ክርስቶስ ተሰቒሉ፣ ሞይቱ ዝተንሰአሉ ንምዝካር እንተወሓደ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ  ይፆሙ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ፆመ-ኣርብዓ ተባሂሉ ይፍለጥ።

ሰዓብቲ እስልምና ብወገኖም ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ይርከቡ፤ እዚ ወርሒ ስጋዊ መስዋእትን መንፈሳዊ ንስሓን እዩ።

ሰዓብቲ ክልቲኡ ሃይማኖታት፥ ኣብ እዋን ፆም ካብ ምብላዕን ምስታይን ተቖጢቦም ምስ ፈጣሪኦም ይራኸቡ፣ ይፅልዩን የመስግኑን።

ካብቲ ዝለመድዎ መግቢን መሰተን ይርሕቑ፣ ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ክርስትና ዝኾነ ተዋፅኦ እንስሳ (መብዛትኡ ፍልፍል ፕሮቲን) ኣይምገቡን።

ፆም ንኣካላትና ብኸመይ ይፀልዎ? እንታይ ረብሓታት ኣለዎ? ዝብል ምርኣይ ኣገዳሲ ኢዩ።

ፆም ንዝተወሰነ ግዜ ካብ ኩሉ ወይ ካብ ገለ መግብን መስተን ምቝጣብ የጠቓልል። እዚ ልምዲ ንዘመናት ዝፀንሐ ኮይኑ፥ ሓደ ካብቶም ዝፀንሑ ፍወሳታት ሕክምና ምዃኑ ይግመት።

መፅናዕትታት ከምዝሕብርዎ፥ ፆም ኣብ ጥዕና 5 ብሉፃት ረብሓታት ኣለዎ።

1.    ፆም ደም ዝርከብ ሽኮር ንምቁፅፃር ይሕግዝ

ዝተፈላለዩ መፅናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፥ ፆም ኣብ ደም ዝርከብ መጠን ሽኮር ንምቁፅፃርን ንምምሕያሽን ከም መሳርሒ ከገልግል ይኽእል እዩ።

በዚ ድማ መጠን ሽኮር ክጎድል ከምዘኽእል ሓያሎ መፅናዕትታት ይድግፉ።

ዋላ እኳ ፆታ ተራ ክፃወት ዝኽእልን ተወሳኺ መፅናዕትታት’ውን ዘድሊ እንተኾነ፥ ሓደጋ ሕማም ሽኮር ንኽንክይ ከም ዝሕግዝ የመላኽቱ።

2.  ፆም ኣብ ምክልኻል ሕማማት ክሕግዝ ይኽእል

ንቡር ኣመጋግባ ቅልል ክብል ምግባር ኣካላት ኣብ ካልኦት ኣገዳስቲ ስራሓት እንኮላይ ኣብ ምክልኻል ሕማማት ከተኩር ግዜ ክረክብ ዝገብር ይመስል።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣካላትና ሕዱር ነድሪ ናይ ምምሕዳር ዓቕሙ’ውን ከማሓይሽ ይኽእል’ዩ።

ስለዝኾነ ድማ ሓደጋታት ከም ሕማም ልቢ ዝኣመሰሉ ኩነታት ክንክይ የኽእል።

ኣብ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን ዝርከብ ፕሮፌሰር ቲም ስፔክተር፥ ፆም ንባክተርያ መዓንጣና’ውን ከም ዝፀልዎ ኣስተብሂሉ ኣሎ። ስለዚ ሓሓሊፉ ቁርሲ ምዝላል ባዕሉ ረብሓ ኣለዎ።

3.  ንስራሕ ሓንጎል ክድግፍ ይኽእል

ኣብ እንስሳታት ዝተገብረ መፅናዕቲ ከም ዝሕብሮ፥ ፆም ሕማም ፓርኪንሰንን ኣልዛይመርን ክከላኸልን ከማሓይሽን ይኽእል።

ብተወሳኺ ንዝኽርን መስርሕ ሓንጎልን ስለዝድግፍ ተግባር ሓንጎል ከማሓይሽ ይኽእል።

ብተመሳሳሊ ፆም ንጥዕና ሓንጎል ክከላኸልን ምፍራይ ዋህዮታት መትኒ ክውስኽን ከም ዝኽእል ኣብ እንስሳታት ዝተገብረ መፅናዕቲ ይሕብር።

ኣብ ደቂ ሰባት ዝተገብሩ መፅናዕትታት’ውን ፆም ምልክታት ፀቕጢን ጭንቀትን ከጉድልን ከምኡ’ውን ማሕበራዊ ምትእስሳር ከማሓይሽን ከም ዝኽእል የመልክቱ።

ተወሳኺ መፅናዕትታት ዘድሊ’ኳ እንተዀነ ክሳዕ ሐዚ ዘለዎ ርኽበታት ግን ዘተባብዑ እዮም።

ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ዶክተር ማርክ ማትሰን፥ ካብ ካሎሪ ዝተዓቀበ ኣመጋግባ ዝተወሃበን ኣናፁ ካብተን ዝሓሸ መግቢ ዝረኽባ ኣናፁ ዝሓሸ ዝኽሪ ከም ዘለወን ኣረጋጊፁ።

ኣብ 2016 ዓ.ም. ፈ ድማ ኣብ ደቂ ሰባት ዘካየዶ ፈተነ፥ ፆም ንሓንጎልና ካብቶም ኣብ እዋን ሕማም ኣልዛይመርስ ዝምዕብሉ ኣሚሎይድ ፕሮቲናት ንምክልኻል ክሕግዝ ከም ዝኽእል የመልክት።

4.   ፆም እርጋን ክከላኽል ይኽእል

ፆም፥ ብፍላይ ድማ ትሑት ፕሮቲን ዘለዎ ኣመጋግባ ምምጋብ ምስ ዝተናውሐ ዕድመ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ኣብ እንስሳታት ዝተኻየዱ መፅናዕትታት ይሕብሩ።

ካብዚ ሓሊፉ ፆም፥ ደረጃታት ሆርሞን ዕብየት ሰብ ዘመሓይሽ ይመስል። እዚ ሆርሞን እዚ ኣብ ዕብየትን ፅገናን፣ ምትሕልላፍ መግቢ፣ ምንካይ ክብደት ሰብነት፣ ሓይሊ ጭዋዳታትን ብቕዓት ምንቅስቓስ ኣካላትን ዓቢ ተራ ዝፃወት እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ነዊሕ ዕድመ ዝካየድ ዘሎ መፅናዕቲ ብዓቢኡ ኣብ እንስሳታት ጥራይ ዝተሓፅረ ስለዝዀነ እዚ ንእርጋን ደቂ ሰባት ብኸመይ ክፀልዎ ከም ዝኽእል ምሉእ ብምሉእ ንምርዳእ ተወሳኺ መፅናዕትታት የድሊ።

5.  ፆም ክብደት ምንካይ ክድግፍ ይኽእል

ብዙሓት ስርዓት ኣመጋግባ (diet) ዝኽተሉ ሰባት ክብደት ሰብነት ንምንካይ ከም ቅልል ዝበለ ኣማራፂ ክፆሙ ይመርፁ።

መግቢ እንበልዓሉ ግዜ ምቁፅፃር ወይ ንሓፂር ግዜ ምጿም፥ ክብደት ሰብነት ንምንካይ፣ ስብሒ ንምቐናስን ሽኮር ደም ንምምሕያሽን ክሕግዝ ከም ዝኽእል መፅናዕትታት ይገልፁ።

እዚ ጥራይ ኣይኮነን፤ ፆም ኣብቶም ልዕሊ ዓቐን ክብደት ዘለዎም ሰባት ምትሕልላፍ (ምሕቓቕ) መግቢ ናብ ምቅፃል ስብሒ ናይ ምቕያር ዓቕሞም ብምውሳኽ ጭዋዳታት ንምዕቃብን ውህደት ኣካላት ንምምሕያሽን ኣበርክቶ ከም ዝገብር ካልኦት መፅናዕትታት ኣመልኪቶም ኣለዉ።

መግቢ ነቶም ኣብ ኣካላትና ዝርከቡ ዋህዮታት ነዳዲ – ማለት ግሉኮስ – ይህቦም። ኣካላትና ዝተወሰነ መጠን ግሉኮስ ናብ ደም ይፍንው እሞ እቲ ዝተረፈ ከም ግላይኮጅን ይዕቅቦ፤ እዚ ከም ኣድላይነቱ ዝፍነው’ዩ።

እቲ ኣብ ደም ዘሎ ቀረብ ምስተወድአ – እንተወሓደ ብዘይ መግቢ ን12 ሰዓታት ድሕሪ ምፅናሕ – ካብቶም መኽዘናት ስብሒ መሊሱ ይወስድ።

ኣብ ክንዲ ግሉኮስ ምጥቃም ስብሒ ምቅፃል ኬቶን ዝበሃሉ ንጥረ ነገራት የፍሪ፤ ልዑል መጠን ናይዚኦም ንጥረ ነገራት ድማ ንጥሜት ክዓብጦ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ብዙሓት ዝፆሙ ሰባት ድሕሪ ሓያሎ መዓልታት ጥሜት ከም ዘይስምዖም ዝዛረቡሉ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል።

ተመራመርቲ፥ ብዛዕባ እዚ መስርሕ መግቢ ኣብ ኣካላትና ዘለዎ ፅልዋ የፅንዑ ኣለዉ።

ንኣብነት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማንቸስተር እትርከብ ክኢላ ኣመጋግባ ዶክተር ሚሸል ሃርቪ፥ ዝተወሰኑ ደረጃታት ሆርሞናት ብምድኻም ፆም ንሓደጋ መንሽሮ ጡብ ንምንካይ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ረኺባ ኣላ።

ክንፀውም ከለና ኣካላትና ስብሒ ምቅፃል ክጅምር ይግደድ። ስለዚ ኣመጋግባና ምድራት ውፅኢታዊ ሜላ ምንካይ ክብደት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ይኹን እምበር ኣካላትና ናብዚ መስርሕ ንምእታው ነዊሕ ግዜ ይደሊ እዩ፤ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ መዓልታት ብዘይ ካርቦሃይድሬት ምፅናሕ የድልየና ማለት’ዩ ክትብል ምግላፃ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እንተዀነ ክኢላታት ነዚ ብዘይ ሕክምናዊ ደገፍ ንከይንፍትን ይመኽሩ፤ ሓያል ልዑል ፆም እንታይ ዓይነት ንነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል ገና ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይተፈልጠ የጠንቅቑ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.