Fana: At a Speed of Life!

ማሕበር ኣክሲዮን ንግዲ ኖርዝ ስታር መገዲ ኣየር ንግዲ ከምዘጣይሽ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ማሕበር ኣክሲዮን ንግዲ ኖርዝ ስታር መገዲ ኣየር ንግዲ ከምዘጣይሽ ኣፍሊጡ።

መስራቲ እቲ ትካልን ምክትል ኣካቢ ቦርድን ኣይተ መኮነን በየነ፥ እቲ መገዲ ኣየር ናይ ምጥያሽ ሓሳብ ክመፅእ ዝኸኣለ ኣብ ኢትዮጵያ ዘፈር ውልቀን ኣብ ኡንዱስትሪ ኣቪየሽን ንምውፋር ዘበረታትዑ ሕጊታት ብምውፀኦምን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላም ክወርድ ምኽኣሉን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ መቐለ ማእኸል ብምግባር ዝንቀሳቐስ እቲ መገዲ ኣየር፥ ንኢትዮጵያን ንዝተወሰና ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካን መባፅሕቲ በረራ ከምዝህልዉዎ እውን ሊፆም።

ኣቪየሽን ኢንዱስትሪ ኣብቲ ከባቢ ኣዋፃኣይ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ምዃኑ ብመፅናዕቲ ከምዝተረጋገፀ እቶም ምክትል ኣካቢ ቦርድ ኣብሪሆም።

መገዲ ኣየር ኖርዝ ስታር ምስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተሓጋጊዙ ብምስራሕ ኣብቲ ዓውዲ ዕዉት ስራሕ ክሰርሕ ከምዝደሊ እውን ገሊፆም።

እቲ መገዲ ኣየር ንግዲ ንምጥያሽ ብር 3 ነጥቢ 8 ቢሊየን ሚሊየን ከምዘድሊዮ ዝተገለፀ እንትኸውን እዙይ ንምምላእ ድማ ኣብ 13 ባንኪታት መሸጣ ኣክሲዮን እናተኻየደ ምዃኑ ተገሊፁ።

እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ መሸጣ ኣክሲዮን ድማ ካብ ሓረስቶት ክሳብ ልዑል ሃፍቲ ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ክሳተፍሉ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ።

ዝተሓተ ዋጋ ኣክሲዮን ብር 30 ሺሕ፤ ዝለዓለ ዋጋ ድማ ብር ሰለስተ ሚሊየን ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.