Fana: At a Speed of Life!

ሕብረተሰብ በዓል ኢሬቻ ብመሰረት ዝተቐመጠሉ ኣንፈት ንክኽበር ኣባገዳታት ኣተሓሳሲቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መናእሰይ ኦሮሞ በዓል ኢሬቻ ብመሰረት ዝተቐመጠሉ ኣንፈት ንከኽብርዎ ኣባገዳታት ኣተሓሳሲቦም።

ሕብረት ኣባገዳታት ኦሮሞ ኣብ ክሊ ኣከባብራ በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ መግለፂ ሂቦም።

ብምኽኒያት ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮናን እዋናዊ ኩነታት ፀፅታን በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ ብሒደት ሰባት ንክኽበር ከምዝተወሰነ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ንገዛእርእሱ ካብቲ ሕማም እናተኸላኸለ ብዓል ኢሬቻ ብመሰረት ዝተቐመጠሉ ኣንፈት ንክኽበር እቶም ኣባገዳታት ኣተሓሳሲቦም።

እቲ በዓል ናይ ሰላም፣ ፍቕሪን ምስጋናን ብዓል ኢዩ ዝበሉ እቶም ኣባገዳታት፥ ኩሉ መንእሰይ ኦሮሞ እቲ በዓል ካብ ፖለቲካ ብዝፀረየ መገዲ ንከኽብሮ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.