Fana: At a Speed of Life!

ሕብረተሰብ ኣብ ጎስጓስ “ትምህርቲ ንትውልዲ” ልዕሊ 21 ቢሊየን ብር ሓገዝ ከምዝገበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረተሰብ ኣብ ጎስጓስ “ትምህርቲ ንትውልዲ” ልዕሊ 21 ቢሊየን ብር ሓገዝ ከምዝገበረ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ፡፡

ሕብረተሰብ ብዝገበሮ ሓገዝ ድማ ብብርኪ ኣቢያተ ትምህርቲ ምምሕያሽን እታወታት ትምህርቲ ናይ ምምላእ ስራሕን እናተወገነ ከምዝኾነ ኣብቲ ሚኒስቴር ሓላፊ ዴስክ ፕሮግራማት ትምህርቲን ምምሕያሽ ፅሬትን ታዬ ግርማ ገሊፆም፡፡

በዚ ድማ 14 ሺሕ ኣቢያተ ትምህርቲ ከምዝተፀገኑ እቶም ሓላፊ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ልዕሊ 1 ሺሕን 600 ሓደሽቲ ኣቢያተ ትምህርቲ ከምዝተሃነፁ ኣፍሊጦም፡፡

እቲ ጎስጓስ ደረጃታት ኣቢያተ ትምህርቲ ንምምሕያሽ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ልዕሊ 50 ሺሕ ኣቢያተ ትምህርት ሕድሳት ከምዝግበር ኣብሪሆም፡፡

ሕብረተሰብ ብጉልበት፣ ብዓይነትን ገንዘብን ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል እውን ፀዊዖም፡፡

ብኣልማዝ መኮንን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.