Fana: At a Speed of Life!

ሕውነት ህዝቢ ኣምሓራን ትግራይን ህወሓት ክንፅሎ ኣይኽእልን-ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣምሓራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 07 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንክልተ መዓልታት ዝተሳለጠ ኮንፈረንስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ኣምሓራ ትማሊ ኣማሲዩ ተዛዚሙ።

ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣምሓራ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተልዓሉ ዛዕባታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ እቲ መድረኽ ኣብ ጉዕዞ ለውጢ ክልተ ዓመት፣ ፓርቲ ብልፅግና ቅድሚ ምምፅኡን ድሕሪኡን ብዛዕባ ዝመፅአ ለውጢ ትኹረት ዝገበረ ከምዝነበረ ገሊፁ።

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ ለውጢ ናይ ኩሎም ህዝብታት ኢትዮጵያ ምዃኑ ከምዝተገምገመን እቲ ለውጢ ንምጥንኻርን ልዕልነት ሕጊ ንምኽባርን ምስ ካልኦት ክልላት ብምዃን ከምዝስራሕ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ክልል ዘይሕጋዊ ኣወዳድባታት ብምፍራስን ዘይሕጋዊያን ናብ ሕጊ ብምቕራብን ዝተሰርሐ ስራሕ ኣብቲ መድረኽ ብእወንታዊ ጎኑ ከምዝተልዓለ እውን ኣብሪሆም።

ክልል ኣምሓራ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሰላሙ ዝተረጋግዐ ከምዝኾነን ኣብ ዝቕፅል ድማ ልምዓት ቱሪዝም ንምፍፃም ዘኸእል ሓሳብ ኣብቲ ዘተ ከምዝተገለፀን ሓቢሮም።

ቅንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኦነግ ሸኔን ህወሓትን ብዝፈሓስዎ ተንኮል ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝተፈፀመ ቅትለትን ምዕናው ንብረትን እቲ ፓርቲ ከምዘውገዘ ኣይተ ኣገኘሁ ገሊፆም።

ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣምሓራ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ንዝሰርሖ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ከምዝንእድን ኣፍልጦ ከምዝህብን ተዛሪቦም።

“ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ ኣብ ቀረባ እዋን ተዛሪበምዎ ኢዮም” ተባሂሉ ኣብ ዝወፅአ መረዳእታ ንምንታይ ሐዚ ወፂኡ? ዝብል ብጥንቃቐ ንምግምጋም ተፈቲኑ ኢዩ እውን ኢሎም።

ይኹን እንበር በቶም ኣመራርሓ ዝተልዓሉ ሓሳባት ብትሕዝቶ ስሕተት ከምዝኾነን ብብርኪ እቲ ፓርቲ ብዝርዝር ምግምጋም ከምዘድሊ ርኢና ኢና ኢሎም።

ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሞን ዘሎ ርክብ ዝኾነ ኣካል ኣይብጥሶን ዝበሉ እቶም ሓላፊ፥ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ዘይነፃፀሉ ኣሓት ህዝብታት ምዃኖም ኣብሪሆም።

ብተመሳሳሊ ሕውነት ህዝቢ ኣምሓራን ትግራይን ህወሓት ክንፅሎ ከምዘይኽእል ተዛሪቦም።

ብናትናኤል ጥጋቡ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.