Fana: At a Speed of Life!

መልእኽቲ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ራእይን ባህጊን ልምዓትን ስልጣነን ክልልና ብምልኡነት ሽትኡ ክወቅዕ ዝኽእል፥ ብስነ ምግባር ዝተሃነፀ፣ ሞያዊ ክእለት ዝዓጠቐ፣ ልዑል ሰነ ሓሳባዊ ፍልጠትን ድሉብ ተሞኩሮን ዝወነነ ሓይሊ ሰብ ብቐፃሊ ምህናፅ ምስዝከኣል’ዩ።

ነዚ ብሄራዊ ራእይ ብግቡእ ዝተረድኡን ናይ ባዕልና መሪሕ እጃም ክንፃወት ኣለና ኢሎም ብዝተበገሱን ርእሰ ፍትወትን ውልቃውነትን ድሕሪ ናይ ህዝቦም ረብሓ ብዝሰርዑ ግዱሳት ተጋሩ ኣብ ህንፀት ሓይሊሰብ ብፍሉይ እትነጥፍ ማሕበር ኩሉ ትግራዋይ ዝኾነት ማ.ል.ት ክትጣየሽ ጌሮም እዮም። ዛጊድ ኣብዚ ዓውዲ ትምህርቲ እውን ርኡይ ኣበርክቶ ክትፃወት ፀንሓ’ያ።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብሓቂ እውን ፅላል ኩሉ ትግራዋይ ብምዃን ኣብ ምህናፅን ምርግጋፅ ተበፃሕነት ትምህርቲን ናይ ባዕላ እጃም እናተፃወተት መፅኣ’ያ። ኣብዚ ዓመት እዚ እውን ሕዛቶ ንዝተበገሰት ህዝባዊ ራእይ ብዓፀፋ ንቕድሚት ዘሰጉሙ ኣዝዩም ገዘፍቲ ፕሮጀክትታት ወጢና ትነጥፍ ኣላ። በዚ ኣጋጣሚ ንሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን፣ ንኣባላትን ደገፍቲን ማ.ል.ት ልዑል ምስጋና ይግበኣኩም።

ስለዚ ነብሲ ወከፍ ትግራዋይ ብገንዘቡ፣ ብፍልጠቱን ብጉልበቱን ንዕውትነት ውጥን ማ.ል.ት መርሕ ግደ ክፃወት ፃውዒት ከቕርብ እፈቱ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.